ኣገዳሲ ሓበሪታ ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ተ.ሓ.ኤ ኣብ ሰምየን ኣመርካን ከነዳን

elfተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ሰምየን ኣመርካን ከነዳን፣ ከም ውጺት ናይቲ ብ August 23/2015 ብገዳይም ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተኻየደ መቐጸልታ ናቱ ብሰንበት September 21/2015 ንመበል ካላኣይ ግዚኡ ካብ ስዓት 10 ናይ ንግሆ ስጋብ ስዓት 1፡30 ናይ ምሸት ን ሰለስተ ስዓት ዝወሰደ ወርሓዊኣኼቡኡ ተካይዱ።
እዚ ኣኼባዚ ደቂ ከበሳን መታሕትን ገደይም ኣባላት ተ.ሓ.ኤ ዝነበሩን ኣብ ተ.ሓ.ኤ ክቕጽሉ ዝጸንሑን ዝግበር ዘሎ ናይ ገደይም ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ናብ ባህርያዊ ህዝባውነታን ቦታኣን ንምምላስ ብሓንስብ ኴና ዝኸፈልናዮም ዝኸፈልናየን ኣናብሳትን ዋዕሮታትን ዕላሞኦም ዕላመኤን ንህዝቢ ኤርትራ ሓራን ሰላምን ቅሳነትን ግዝኣተ ሕግን ንምርግጋጽ ክቡር መስዋእቲ ተኸፈለ ነቲ ዝተሰውኡሉ ዕላማ ኣብቲ ተሰዉሉ ውድብ ኣቲኻ ነኸነተግብሮ ነቕ ዘይብል መርገጽ ሒዝና ብጽንዓት ላዓት ታሪኻዊ ሓለፍነት ዓቲርና ነቶም ምሳና ኣብ ተሓኤ ዝራጋረጉን ዝደመዩን መቓልስትና ዝነበሩ ኣብ ጀብሓ ስርርዕና እና ኣስፋሕፋሕና ክንከይድ ከምዘለና ኣኬባና ኣስሚሩሉ።
ናይ ስራሕ ምስፍሕፋሕ ስርርዕና ኣብ ወርሓዊ ኣኼባና ጸብጻብ እና ሃብና ንሓደሽቲ ገደይም ተጋድሎ ሓርነት ነበር ኣባልነቶም ተሳተፍነቶም ኣስማቶም ናይ ሌላ መግለጽን ርኢቶኣምን ሓሳቦምን እና ተቓባበልና ቶሞኩሮና ብግቡእ እና ተጠቀምና ኣኺባና ዕውት ዝኾነ ኣታሓሕዛ ንቕጽል ከም ዘለና ነቲ ዝጽበየና ዘሎ ሓፋሽ ህዝብና ከነበስር ንፈቱ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ንመሪሕነት ውድብና ተ.ሓ.ኤ ምስቶም ካልኦት ውድባት ኣብ ተ.ሓ.ኤ ዝነበሩ ካዕበታዊ ርክብ እና ገበረት ተ.ሓ.ሔ ነበር ኣብ ሓደ ንመጻሉ ዘይ ሕለል ጻዕሪ ክትገብር እውን ኣብዚ ኣኼባዚ ለቦዋታት ሓሊፉ።ኣብ መደምደምታ ኣኼባና ውድብና ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ንዮርክ ን October 29/2015 ንሽማግለ ጎስጓሳት ናይ ሰምየን ኣመርካን ከንዳን ክንታሓጋገዛ ከም ዘለና ከም ገደይም ኣባላት ተ.ሓ.ኤ ኣብ ኣኼባና ኣቃልቦ ህብናሉ ተሳተፍነትና ድማ ከነራጋግጽ ከም ዘለና ተሳማሚዕና።
ዓወት ነቲ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ
ዕንወት ንጨኳኒ ስርዓት ህግደፍ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9932

Posted by on Sep 24 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net