ስርዓት ህግደፍ ግርማ ከተማ ኣስመራ የዕኑ

እታ ብ እትውንኖም ጥነታዋያንን ታሪኻውያንን ህንጻታት ኣፍሪቃዊት ሮማ ተባሂላ እትጽዋዕ ከተማ ኣስመራ፡ ብሰንኪ እቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ኣዕናዊ ኣካይዳ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ግርማኣ ተጥፍእ ከምዘላ ኣብዚ ቀረባ ካብ ኤርትራ ዝመጹ ግዱሳት ኤርትራውያን ዝበጽሓና ሓበሪታ የረጋግጽ።
እዞም ብግዜ መግዛእቲ ጥልያን ዝተሃንጹ ህንጻታት ብብዙሓት ናይ ስነህንጻ መሃንድሳትን ኣርክተክተራትን ብዙሕ ጠመተ ዝወሃቦም ቅርስታት እዮም። ነዞም ጥንታውያን ህንጻታት ንምዕቃብን ንምሕዳስን ከኣ ካብ መፋርቕ 1999 ኣቢሉ ካብ ባንክ ዓለም ናይ ገንዘብ ሓገዝ ዝተሰልዓሉ ካርፕ ዝብሃል ፕሮጀክት ይሰላሰል ነይሩ አዩ። እንተኾነ ግን እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዓመት 2004 ኣቋሪጹ። በዚ ከኣ እቶም መስሕብ በጻሕቲ ብምዃን ኣብ ምምዕባል ቱሪዝምን ቁጠባ ሃገርናን ዓቢ ተራ ክጻወቱ ዝግብኦም ጥንታውያን ህንጻታት ብሰንኪ እቲ ዝስእንዎ ክንክንን ጽገናን ኣብዚ እዋን ዕርቃኖም ወጺኦም ካብ ዝበኣሰ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ የምርሑ ኣለዉ። እዚ ኣብ ታሕቲ እትርእይዎ ዘሎኹም ስእሊ ህልዊ ኩነታት ናይታ ፓልሶ እንዳ ኣባ ሓበሸ ተባሂላ እትፈለጥ ሓንቲ ካብ ጥንታውያን ህንጻትት ርእሰ ከተማና እያ።

ብዘይካ እዚ እቲ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ዝሕመረቱ ፖሊሲኡ ንምትግባር ከይደቀሰ ዝሓድር ዘሎ ገበነኛ ስርዓት ንጥንታውያንን ታርኻውያንን ህንጻታት ዕርቃኖም እንዳ ወጹ ስቕ ኢሉ ኣብ ምርኣይ ጥራይ ከይትሓጽረ፡ ካብ መጨረሽታ ወርሒ ናይ ዓመተ 2014 ኣትሒዙ ነቶም ብዓቕሚ ዘለዎም ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላልየ ከተማትትን ከባቢ ኣስመራን ዝተሃንጹ ህንጻታት ኣብ ምዕናውን ምድምሳስን ተዋፊሩ ከምዘሎ ኩሉ ዝዝክሮ ፍጻሜ እዩ። ከም መቐጸልታ ናይዚ ከኣ ኣብዚ ዝሓልፈ ወርሒውን ብብርክት ዝበለ ሚልዮናት ናቕፋ ብኣርባዕተ ሰብ ሃብቲ ኤርትራውያን ዝተገዝአት እሞ ድሕሪ ዝፈሰሰላ ዘይተኣደነ ርእሰማልን ርሃጽን ኣብ መዝዛም በጺሓ ንስራሕ ክፍቲ ንምዃን ትዳለወሉ ዝነበረት ኣብ ከባቢ ሹቕ እትርከብ ሓዳስ ህንጻ ብስርዓት ህግደፍ ከም ዝዓነወት ብስእሊ ተሰንዩ ዝበጽሓና ዜና የረጋግጽ። ነቶም ውሕስነት ዘይብሉ ናይ ወፍሪ ፖሊሲኡ ኣሚኖም ሃብቶም ዘፍሰሱ ኤርትራውያን ከኣ ወላሓደ ርትዓዊ መኽንያት ከምዘይተዋህቦም እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ። እቶም ሃብቶም ንባዶ ዘፍሰሱ ኤርትራውያን ከኣ ብጭንቀትን ጣዕሳን ተዋሒጦም ከም ዘለዎ እቶም ግዱሳት ይሕብሩ።

ካልእ ምሲዚ ኣብ ዝተኣሳሰራ ሓበሬታ ኣብዚ እዋን ኣስመራ ናይ ከተማ ስርዓት ዘጥፈአት ከተማ ከም ዝኾነት እቶም ፈጋዕጋዕ ዝበሉ ማርሻ ቤድታታን፡ ኣብ ጎደናታት ዝዕንገሉ ዘለዎ ናይ መጽዓን እንስሳታትን ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ።

መስልን ፍትሕን ዜጋታትና ኣረጋጊጽና ን ሃገርና ብቑጠባዊ መዳይውን ንቕድሚት ክንወስዳ እንተ ድኣ ኮይና፡ እቶም ድሮ ተረኺቦም ዘለዎ ጸጋታትን ብሕጂ ክርከቡ ዝኽእሎ ሃብታታ ተፈጥሮና ሓንሳብን ንሓዋሩን ከይተጓሕጉሑ ከለዉ መታን ከነርክቦም፡ ሎሚ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ሓድነትና ኣትሪርና ንምልኪ ክንስዕር ይግብእና።

ፕሮጀክት ዓርቢ ሓርነት

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9939

Posted by on Oct 2 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net