ስትራተጂ ማለት አንታይ ማለት ኢዩ፣ስለምንታይከ የድሊ

Why is strategic planning important?
Depersonalizing the Eritrean Politics
What we need is not leaders but leadership
ብፍስሓ ናይር
ኣብ ዝኾነ ውድባዊ ኣሰራርሓ፣ መንግስታዊ ይኹን ግላዊ፣ መኽሰባዊ ኩባንያ ይኹን ኢ-መኽሰባዊ ማሕበር ገለ ተመሳሳሊ መሰረታዊ ናይ ሓባር መለለይታት ኣለዎም። ናይ ሓደ አኩብ ሕዝቢ ወይ ጉጅለ ንሓደ ውሱን ዕላማ ወይ ንገለ ዕላማታት ንምዕዋት ብሓንሳብ ዝሰርሑሉ ብኡ ዝጽለዉን ወይ ድማ ንሳቶም ክጸልውዎ ዝኸአሉ ኩሉ ግዜ ዝቀያየር ኣካባቢ ዝሰርሑሉ ኣገባብ ማለት ኢዩ።
ስትራተጂካዊ ፕላን ምውጻአ ማለት ድማ መገዲ ኣተሓሳስባኻን፣ኣሰራርሓኻን፣ኣመሃህራን፣ንዕላማታት ውዳበኻ ብዝሔሸ ኣገባብ ከመይ ገርካ ኣብቲ ዘይተረጋግኤ ዘይተረጋገጸን ናይ ውሽጥን ደገን ተጻቦታት ቀጻልነቱ ተረጋግጽ ማለት ኢዩ። ስትራተጂካዊ ፕላን ነቲ ሓያል ዝኾነ ብድሆታት ገጢምካ ከመይ ገርካ ናብ ዕድላት ትቅይሮ ዝሕግዝ ኣገባብ ኣቀራርባ ኢዩ።
መስርሕ ስትራቲጂካዊ ምውጻአ ንውዳቤኻ ብናይ ርሑቅ ጠመተ ብሰፊሑ አቲ ዝግድሶ ዓቢይ ስአሊ አቲ አቲ ውድብ አንታይ ሰለምንታይ ከመይከ ይሰርሕ ኢዩ፣ሓሓንሳብ ግን ፍሉይ ስራሓት አውን ክህልዎ ይከኣል ኢዩ።
አምበኣርከስ ስትራተጂካዊ ፕላን ማለት፣ሓደ ኣገዳስን ስርዑን ጻዕሪ ንመሰረታዊ ውሳነታትን ስራሕትን ንክትፍጽም አቲ ውደባ አንታይ ኢዩ፣ አንታይከ ኢዩ ስራሑ፣ ስለምታይከ ከምዚ ይሰርሕ ኢልካ ትልምታት ምውጻአ ማለት ኢዩ። ራአይ ዘለዎ ብሓደ ሸነኽ ኮይኑ፣ ኣብ ወድዕነት ዝተመርኰሰ ኣገባብ ኣሰራርሓ ምኽታል ማለት ኢዩ።ራአይን ኣፍልጦን ነንሕድሕዱ መታን ክሕይል፣አቲ ፕላን ተዓጻጻፍን ግብራውን መሪሕ ኮይኑ ንውሳነታትን ምምቅራሕ ምንጭታት ብጽፈት ከምዝዋፈር አኸአሎ ይህበካ።
ስትራተጂካዊ ኣተሓሳስባ ንትካላዊ ዓቅምታት የዕዝዝ ንጹር ዝኾነ ጸጋታት ድማ ኣለዎ፣ እንታይ ኢዩ እዚ ጸጋታት ብስትራተጂካዊ ኣተሓሳስባ ዝርከብ፣
I. ትካላዊ
1. ንውዳባኸ ይኹን ንጥፈታት ውደባ ብጽፈትን ክእለትን ንኽተትግብር ይሕግዘካ
2. ናብ ስትራትርጂካዊ ኣሰራርሓ ባህሊ ንክትፈጥር ይሕግዘካ
3. ብዛዕባ ኣካባቢኻ ኣፍልጦ ንክትረክብ ይሕግዘካ
4. ኣፍልጦ ብዛዕባ ርእይቶታትን ዕላማን/ ናብ ዕላማ ዘምርሕ ስራሕ ንክትሰርሕ ይሕግዘካ
5. ኣመራርሓ ናይ ዝተፈላለየ ውልቀሰባት

II. ን ኣመራርሓ ብቅዓታት ሓፍ ንምባል ይሕግዝ- Enhances the capacity of leadership
ኣብ ሓደ ጥዑይ ኣመራርሓ ዝርከብ ኣርባዕተ ክፋላት- Components of good leadership
1. ናይ ምውህሃድ ብቅዓት ወይ ከኣ ማሕበራዊ ብቅዓት- Integrator
2. ምምሕዳራዊ ብቅዓት፣ ናይ ስራሕ ብቅዓት- Administrative
3. ኣፍራዪ ብቅዓት/ ስትራተጂካዊ ብቅዓት- producer
4. ናይ መሃዚ ብቅዓት- entrepreneur
ሰለስተ መሓውር ኣብ ምሕደራ ሕዝባዊ ጉዳያት
1. ኣፍልጦ ብዛዕባ ኣካባቢኻ- ምስ ግዜን ኩነታትን እናሰማማዕካ ምስራሕ
2. ኣፍልጦ ብዛዕባ ኣረኣእያኻን ዕላማን- ስራሕካ ናብ ዕላማ ዘትኰረ ይኹን
3. ኣመራርሓ ብዝተፈላለየ ኣገባባት- ውልቃዊ ኣመራርሓ- ዘቡናዊ ኣመራርሓ

ናይ ሓደ ውደባ ሓያልን ድኹምን ጐድኒ
1. ቅርጻ ውደባ
2. ምሕደራ
3. ኣባልነት
4. ተሳትፎ /ክፍትነት
5. ቅዋምን መደብ ዕዮን
6. ውሽጣዊ ደሞክራስያ
7. ናይ ምትሕብባርን ዘተን ልምድታት
8. ናይ ውደባ ምንጭታት/ ሰብኣውን ማላውን
9. ዝምድና ምስ መራኸቢ ብዙሓን
10. ዝምድና ምስ በርገሳዊ ማሕበራት
11. ግዳማዊ ዝምድናታት
ሎሚ ንኣወዳድባ ፖሊቲካዊ ይኹን በርገሳዊ እንተሪኢና ክንደይ ኢየን ነዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሳ ዘማልኣ መጽናዕቲ ዘድልዮ ጉዳይ ኢዩ።
ነፍስ ወከፍ ውደባ ሰለስተ ጸፍሕታት ናይ ስራሕ ኣለዎ፣ Three levels of organizational actions
1. ስትራተጂካዊ ጸፍሒ/ Strategic፣ ኣብዚ ጸፍሒዚ፣ ራእይን፣ተልእኾን፣ መደብ ዕዮን፣ እምነታትን/ Principles/ Values ውደባ ይካየድ
2. መርሕነታዊ ጸፍሒ/ Management፣ ኣብዚ ጸፍሒዚ ድማ ምንጭታት ውደባ ይመቃራሕ፣ ስራሓት ውደባ ምክትታልን ምፍጻምን ይፍጸም
3. ስርሒታዊ ጸፍሒ/ Operational፣ ኣብዚ ጸፍሒዚ ድማ፣ መዓልታዊ ስራሓት ውደባ በብቦታኡ ይካየድ

መግለጽታት
ራእይ ማለት፣ ኣበይን እንታይን ክትከውን ትደሊ፣ ንኣብነት ፣ ኤርትራ ኣበይን እንታይን ክትከውን ኢኻ ትደልያ Vision statement answers the question; where and what do we want to be.
ተልእኾ፣ እንታይ ኢዩ ነዚ ክንገብር ዝድርኸና ሰለምንታይክ ኢዩ፣ እንታይ ከነዕውት፣ Mission statement answers the question: what are we here to do.
ክብርታት፣እምነታት፣ ንካልኦት ከመይ ንሓልዮም ካብኦም ከ እንታይ ሓልዮት ንጽበ፣ Value statement answers the question: how do we want treat others and how do we want to be treated ourselves. it is not in what we do but how we do and with whom we do. Values include honesty, integrity, caring, trust and respect.

Enough for today—————–continues

Short URL: https://english.farajat.net/?p=9964

Posted by on Oct 12 2015 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

1 Comment for “ስትራተጂ ማለት አንታይ ማለት ኢዩ፣ስለምንታይከ የድሊ”

  1. kulu felaT kmsl yxHf
    eti Hager xeHAtFtI AYWEhadwon
    ab gbri zserHu Ember !!

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net