Going back to the future:መጻኢ ጉዕዞ ናብ ዘበነ ኣርባዓታት !!
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብገለ ኤርትራውያን ረብሓና ምስ ኢትዮጵያ ወይ ትግራይ ኢዩ ዝብሉ ነቲ ናይ ቡዙሓን መራክቢ ዓብሊሎም ንቡዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ምድንጋር ተዋፊሮም ይርከቡ። ሓደ ካብኣቶም ኣዚየ ዘድንቆ ጸሓፋይን መዳራይን እንተሎ ዮሰፍ ገብሪሂወት ኢዩ።ዮሰፍ ገብሪሂወት ኣብ ኣዝማሪኖ ዘውርዶ ዝነበረ ጹሑፋት ይኩን ኣብ ፓልቶክ መጺኡ ዝህቦ ፖለቲካዊ ትንተና፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣንድነታዊ (ፕሮጀክት)ዝኣመተ ምንባሩ ብእዋኑ ብሩህ ኢዩ ነይሩ። በዚ ፍልስፍና ድሒሮም ዝመንጨው ክምባዓል ብሩህ መጻኢ፡ ኣጋዝያን፡ ትግራይ ትግሪኚ ፍርያት ናይ ዮስፍ ገብሪሂወት ክበሃል ይከኣል።








