ዘመነ ህ.ግ.ዲ.ፍ ጥራይ መርድእ!

ብወልድኣብ ፍስሓጽየን (ኦስሎ ኖርወይ)

 

ዘመነ ህ.ግ.ዲፍ ኮነ ጥራይ መርድእ

እዚ ሕሱም ሽፍታ ነጻነት ዝኸልእ

ዕምባባ ቆሪጹ እሽኽ ዝዘርእ።

ከይኣኽለካ ሕሉፍ ናይ ቀደም መስዋእቲ

ጎንኻ ከይድቅስ ከይረክብ ዕረፍቲ

መጺኦሙኻ`ንዶ ናይ ቀትሪ `ጋንንቲ

ገንዘብካ ከይኣኽሎም ደቅኻ መንዛዕቲ

ሽሻይካ ከይኣኽሎም ኣኽብዶም ገፋሕቲ።

`ታትፈትዋ ጓልካ እታ ጅግና ሕርሽ

ትፈትዎ ወድኻ ኣብ ብርኩ ዘተንፍስ

ደኺምና ከይበሉ ብቑሪ ብንፋስ

ጽሓይ ኮነ ቁሪ ዘየበሎም ኣላሽ።

ጠሚና-ጸሚእና ከይበሉ ምምራሽ

ምስ ከቢድ ጽዕነቶም ጋሊቦም ከምፈረስ

ኣብ ዕርዲ ወዲቕም ነጻነት ክትለብስ

ተጠሊሞም ግና ብህ.ግ.ዲ.ፍ ሃሱስ

ደመኛ ህዝብና ጸላኢ ናይ ሓፋሽ።

ኣንታዚ ህ.ግ.ዲ.ፍሲ ተካል`ዩ ለካ

መጽዩ ወዲእዎ ነንጉዕካ ንደምካ

ስጋኻ በሊዑ ግሂጹ ዓጽምኻ

ናይ ቃልስኻ ዓስቢ እዚ ፈድዮሙኻ

ኣንታ ጅግና ህዝቢ ጉድምበር ረኺብካ።

እዚ ኹሉ ነዚ ዘብለኒ

ካብ ኩሉ ኣደ ጅግና`ያ ተሕዝነኒ

ሰባ ዝሰኣነት ናታ ጎኒ

ንእሽቶ ስኢና ቁራስ ባኒ።

ግሩም ኣቦ ጅግና ከብደይ ይበልዓኒ

ወዱ ዝኸፈለ ብርሃን ዓይኒ

ጓሉ ዝመንጠወ ተኽሊ-ወይኒ

ኮይኑባ ተረፈ ኣብ ግዳም ለማኒ።

ኣብ ስደት ትነብር እንታዩ ሽግርካ

እንዳፈለጥካዮ ጸገም ናይ ህዝብኻ

መንእሰይ ክጠፍእ ኣእዳውካ `ጣሚርካ

ከይትሰምዖ መታን ኣውያት ናይ ህዝብኻ

ከይትርእዮ መታን ዓይንኻ ዓሚትካ

ኣብ ዓለም ከለኻ ከም ምዉት ኣስቂጥካ።

ኣንታ`ዚ ፍርሒሲ ከመይድ`ዩ ጌሩካ

ንገርስኪ ህዝቢ እንታዩ ጸገምካ

ጅግና ድዩ ተወዲኡ ሐሕማቕካ ተሪፍካ

ከም ቡን ምስ ተሰትየ ዝተርፍ ጥራይ ዳካ

ተድሀ እሕሕ በል ምስ ሓቦኻ ንተሊ`ኻ

ተቓለስ ታዓጠቕ ውድባት ኣለዋኻ

ምስ ሲቪካውያን ማሕበራት ኣበርክት ግዴኻ። 

ኣንቱም ተቓወምቲ ሓዲኡ ግበሩ

ናብራ ናይ ህዝብና ኣዝዩ መሪሩ

ኣብ ልዝብ ቀሪብኩም ዝሓይሽ ምኸሩ

ታሪኽ ኣቦታትኩም ዘክሩ መርምሩ

ሽግሮም ኣብ ባይቶ ዝፈትሑ ዋሓሉ።

ንስኹም`ውን ሕጂ ካብኦም ተማሃሩ 

ብሓደ ኮፍ ኢልኩም ”ዋዕላ” ኣመስክሩ

ፖለቲካና ይሓይሽ ዳሓር ተርክቡሉ

ናይ ጽባሕ ገዲፍኩም ናይ ሎሚ ግበሩ።

ሓቢርና ንገስግስ ህዝብና ክንድብስ

ሓቢርና ንበገስ ዓድና ክንምለስ

በትርና ክሃርም ከይከውን ጥራይ ወስ።

ሓቢርና ነጣቕዕ ሸቶና ክንወቅዕ

ታሪኽና ክዕረ ክምለስ ናቱ መልክዕ

ብኽያትና ክትካእ ብሳሓቕ ብኻዕ-ካዕ።

ኣብ ናይ ሓቂ ነጻነት ከተንበልብል ባንዴራ

ቀጠልያ ኣውሊዓ ሰማያዊ ዝሕብራ

ህዝብና ክሕሎ ኣብ ትሕቲ ጽላላ

ውጽዕቲ ዓድና ክትስራዕ ከም ሃገራ።   

ዘላለማዊ ዝኽሪ ንጀጋኑ ስዉኣትና

ዓወት ኣብ ልዕሊ ህ.ግ.ዲ.ፍ ናይ ግድንዩ።

2008 ናይ ለውጢ ዓመት ይግበረልናልና 

ወልዳብ ፍስሓጽየን ኦስሎ ኖርወይ

ዕለት፡ 12.12.2007

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1241

Posted by on Dec 12 2007 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net