ክንደይ ኢዮም ደቅኺ?

ግንቦት 18-2006

ብ ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ክንደይ ኢዮም ደቅኺ ኤርትረያ

ካብ ፈለማ ካብቲ መጀመርያ?

      ወሲደሞም እምበር በብሓደ

      ሕጻ ባሕሪ መላይን ወሊደ

      ብርሃን ዝሰኣኑ ዝምርሑ

      ካብ ጥዑያት ሕሙማት ይበዝሑ

ዝሰንከሉ ኢደ እግሮም ሂቦም

መን ክቖጽሮም ክንደይ’ሞ ክብሎም

ገለ ትሕቲ መሬት ገለ ስደት

ፋሕ ምስ በሉስ ተባሂሎም ሒደት

      ገለ ዊዓ ገለ ድማ ሳዋ

      ንበይኑ ዓይነቱ ጒዳም ጽዋ

      ምውላድሲ ወሊደ ሻሕ-ሻሕ ኢለ

      ኣረክቢ እንዴ’ሞ ተባሂለ

ነዊሕ’ዩ ታሪኹ ናተይ ከስዐ

ጠሊሙኒ ብኢደይ ዝበልዐ

ጀጋኑ ወሊደስ ናብ ማእሰርቲ

ኣብ ደልሃመት ኣብ ጸልማት ብዓቲ

      ክንዲ ሽመት ናይ ታሪኽ መዳልያ

      ደሙ ዝኸፈለስ ኰይኑ ባርያ

      ርኢና’ሞ ከምዝስ ኣይነበረን

      ሰሚዕና’ሞ ከምዝስ ኣይተወርየን

ኣብ ጎረቤት ሃገር ተሰዲዶም

ዓይኖም እንዳነብዐ ተገዲዶም

መሬት ተመንጢሎም ናብ ጎዶቦ

ቀይሕ መስቀል ትህቦም ትኳቦ

      ወሊደ’ወ ደሞም ዘንጠብጠቡ

      ማህጸን ኣደ ጒድ እንድዩ ረኺቡ

      ወሊደ’ወ ፈንጂ ዝረገጹ

      ሂወት ዝኸፈሉ ዝቐበጹ

ወሊደ’ወ ብለይቲ ብቐትሪ

ዘይሓጥያተይ ተቐቢለ’ምበሪ

ወሊደ’ወ ከም ነብሪ ዝነብሑ

ዕዳ’ንዲዩሞ ዝኽፈል በዚሑ

ወሊደ’ወ ዝጋልብ ከም ፈረስ

’ታይ ክዓብስ ወፊሩ ዘይምለስ

ወሊደ ሂበዮም ብዓል ጊንጢ

ኢሎምኒ ብዕልኺ ትፈልጢ

ወሊደ’ወ ምዓስ መኻን ኰይነ

’ታይ ክዓብስ ረኺበ ስኢነ

ወድን ጓልን ወሊደ ብማዕረ

’ታይ ክዓብስ ዓረም ተቐይረ

ወሊደ’ወ ጽቡቕ ዘይምኖ

መን ክቖጽሮ ሕጻ ዝደፈኖ

ወሊደ’ወ ጎረቤት ዝፈልጦ

መን ክቖጽሮ ባሕሪ ዝወሓጦ

ዝተረፍኩም ሓዲኡ ግበሩ

ኣንጸርጺርኩም ዘይትበራበሩ

ሰብ ጠፊኡ ነጊሰን ወኻሩ

ወደ’ምበሳ ተደይኑ ሕበሩ

ተጸሪፍኩም ኩሉኹም ብጅምላ

ተጎኒእኩም ከም ጒንቦ መሸላ

ተልዓሉ ብሴፍ ብደበላ

ሕጊ ’ጽድቑ ግበሩለይ ዋዕላ

መሬት ኣቦ ደምኩም ዝፈሰሶ

ተበገሱ ሓይልኹም ይምለሶ

ፈለጥዎ ገዛኹም ዘፍረሶ

ህግደፋዊ ዘይመልእ ሲሶ

ኣለውኹም ካብኡ ዝተላእኩ

ኣብ ማእከልኩም ዘይከውን ዝሰብኩ

ኣፈ’ርክቡ በጠ-በጥ ዝሰልኩ

ንላዘቦ ክብልኹም ዘይሓንኩ

ነገርኩኹም ’ታይከ ተሪፉኒ

ግዴኹም’ዩ አነስ ይኣኽለኒ

ነገርኩኹም ብኢደይ ጽሒፈ

ኣባኹም’ዩ እቲ ዝተረፈ!!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2424

Posted by on May 18 2006 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net