ኤርትራውያን እሱራት

ድምጺ ዝሰአኑ

ኣብ ፈቀዶኡ ዝተዳጎኑ

ሐርበኛታት ጀጋኑ

ክዝክሮም መሪጸ

ምዓስ ቀቢጸ

ኣብ ልበይ ኣለዉ፣

ዝመጸ እንተ መጸ

እቲ መሪር ቃንዛ

እቲ ሕሱም ጸበባ

አየ ተካል ዓጸባ

ስዓታት ምስ ኮነ መዓልታት

ኣዋርሕ ምስ ኮነ ዓመታት

መኣዝን ጊዜ ጠፊኡኩም

ቦታ ኣልቦ ኮይንኩም

ኤሕዋተይ/አሐተይ፡ አባይኩም፣ አባይኩም

ጊዜ ምስ ነውሔ ምስ ተጎተ

ምስ ከረረ ናይ ሕልና መጎተ

ብዙሕ ተመራሚርኩም ትክኑ

አበሳኩም ክትፈልጡ ክትዕቅኑ

ቃንዛኩም ዝቓንዛና

እወ! ብዙሐት ኢና

ንሕና’ውን ብወገና

ሕልናና መርሚርና

እንሆ ብያነና

እንተ ዝኮነነልና

እንተ ዝሰልጠልና

ከም ዑፍ በሪርና

ከም ወንጭር ሐኒና

መውጻእናኩም ነጻ

ምበልናኩም ሐራ

ብዘይ ፍርዲ፣ ፍትሒ

ወላ ንሐንቲ ወርሒ

ዘእስር ገበን

የብልኩምን፤ አበደን! አበደን

 ወልደስላሰ ተስፋይ ዑመር

                       12/1/06

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3562

Posted by on Dec 1 2006 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net