Poetry

ኤርትራውያን እሱራት

ድምጺ ዝሰአኑ

ኣብ ፈቀዶኡ ዝተዳጎኑ

ሐርበኛታት ጀጋኑ

ክዝክሮም መሪጸ

ምዓስ ቀቢጸ

ኣብ ልበይ ኣለዉ፣

ዝመጸ እንተ መጸ

እቲ መሪር ቃንዛ

እቲ ሕሱም ጸበባ

አየ ተካል ዓጸባ

ስዓታት ምስ ኮነ መዓልታት

ኣዋርሕ ምስ ኮነ ዓመታት

መኣዝን ጊዜ ጠፊኡኩም

ቦታ ኣልቦ ኮይንኩም

ኤሕዋተይ/አሐተይ፡ አባይኩም፣ አባይኩም

ጊዜ ምስ ነውሔ ምስ ተጎተ

ምስ ከረረ ናይ ሕልና መጎተ

ብዙሕ ተመራሚርኩም ትክኑ

አበሳኩም ክትፈልጡ ክትዕቅኑ

ቃንዛኩም ዝቓንዛና

እወ! ብዙሐት ኢና

ንሕና’ውን ብወገና

ሕልናና መርሚርና

እንሆ ብያነና

እንተ ዝኮነነልና

እንተ ዝሰልጠልና

ከም ዑፍ በሪርና

ከም ወንጭር ሐኒና

መውጻእናኩም ነጻ

ምበልናኩም ሐራ

ብዘይ ፍርዲ፣ ፍትሒ

ወላ ንሐንቲ ወርሒ

ዘእስር ገበን

የብልኩምን፤ አበደን! አበደን

 ወልደስላሰ ተስፋይ ዑመር

                       12/1/06

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top