Poetry

ጆሽዋ ኣሎኻ´ዶ ኣብ ሸላ !

ንዝኽሪ ተጋዳላይን ጋዘጠኛን
ፍስሃየ ዮውሃንስ (ጆሽዋ)

ጆሽዋ ሪኢኻያዶ ዓለም ከዳዕ ምዃና
ተቓሊስካን ኣቃሊስካን ንናጽነት ሕዝብና
ንግዜኡ ግን ንጠላማት-መብጽዓ ኮይናላ ሃገርና

ሕዝብና ኣይካኣለን ናጻ ከውጽኣካ
ፍትሒ እውን ኣይረኸብካን ኣብ ገዛእ ሃገርካ
ብጾትውን ኣይተረኽብን ዝማጎቱልካ
ዓለም እኳ ትሓይሽ ተዛሪባትልካ

ንፍትሕን ሕግን መሰልን እዚ ኩሉ ተቓሊስካ
ፍትሕን ሕግን መሰልን ግን ከይረኣኻየን ከድካ
በዓልቲ ቤትካን ደቅኻን ብግቡእ ከይተፋነውኻ
ከም ጅግና ብወግዒ ሓመድ ኣዳም ከይለበስካ

“ጆሽዋ ዝበሃል ኣይንፈልጥን” ተባሂልካ !!!
እሞ ከኣ በቶም ብጸተይ ትብሎም ዝነበርካ
ኣየ ጥልመት ዘበነ-ኣካሒዳ ኮይና እነትልካ
ካብዚ ሕማቕ ገዜ እዚኳ እንታይ ከይተርፈካ

ንሕና ሕዝብኻ ከኣ ብፍርሒ ሪዕድና
ዓገብ! ዓገብ! ከይንብል ፈሪሕና ስቕ ኢልና
እዚ ኣይኮነን ነይሩ ኢደካ ኣንታ ጅግና
በጃኻ! በጃኻ! በጃኻ! ኣይትሓዘልና !!!

ዓወት ንኩሉ ጀሆ ተታሒዙ ዘሎ ሕዝብና
ዝኽሪ ከኣ ነቶም ብዘይኣገባብ ዝቕተሉ ዘለዉ ስውኣትና

ብኣብራሃም ተኽለ
 11.02.2007

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top