Archive for: September, 2015

ጋዜጣዊ መግለጺ ካብ መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ከም ዝፍለጥ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ቅልውላው ምስ ኣተወ ነዚ ቅልውላው እዚ ንምፍታሕ ኣብ ታሕሳስ 2014 ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣኼባዚ ድማ ሓዳሽ መሪሕነት ባይቶ፡ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈትን ኣሰናዳኢት ሽማግለን ኣቚሙ። ከምኡ እውን ምግባእ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ወርሒ ንኽካየድ ውሳኔ ኣመሓላሊፉ።

መግለጺ ሰደግኤ፡ ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም፡ ምጅማር ዕጥቃዊ ተጋድሎ ህዝብታት ኤርትራ፡

ባሕቲ መስከረም፡ ኣብ ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ ፍሉይ ታሪኻዊ ስፍራ ዘለዋ ክብርቲ ዕለት እያ። ህዝብታትና፡ ካብ ኣርባዓታት ክሳብ መወዳእታ ሓምሳታት፡ ምእንቲ ሃገራዊ ነጻነቶምን ልኣላውነቶምን፡ ብሰላማዊ ኣገባብ ዘካየዱዎ ቃልሲ፡ ብሓያላት መንግስታት ፍትሓዊ ብይን ምስ ተነፍጎም፡ ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ብሓይሊ ብረት ከረጋግጹ፡ ዕጥቃዊ ተጋድሎ ዝጀመሩላ ዕለት ብምዃና ወትሩ ንዝክራን ነኽብራን። እነሆ ድማ ከም’ቲ ሕሉፍ፡ ንባሕቲ መስከረም መበል […]

ጽምብል ባሕቲ መስከረም ኣብ ከተማ ማንቸስተር፣ ዓዲ እንግሊዝ ዕድመ ንኩሎም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ

ሓድነት መንእሰያት ኤርትራዉያን ንዲሞክራስያዊ ለዉጢ ዓባይ ማንቸስተር (ሓ.መ.ኤ.ደ.ለ) መበል 54 ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ‘ዕላማታት ባሕቲ መስከረም ይተግበሩ’ ብዝብል ቴማ ብኽብ ዝበለ ማዕረግ ንምብዓል ተዳልዩ ስለዘሎ ኩሉኹም ደለይቲ ፍትሒ ኣብዚ ፍሉይ መደብ ንኽትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም። ኣብዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ፣ እዘን ዝስዕባ ማሃርቲ ኣስተምህሮታት ክቐርባ እየን፡ 1. `ሳንኩፍ ቀለቤታት ኣብ ሰንሰለት ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ […]

ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 54 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝወጸ መግለጺ

ሎሚ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ብመሪሕነት ጀግና ስውእ/ ሓሚድ እድሪስ ዓዋተ ዝተጅምረ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ህልው ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ፍሉይ መድረኽ ዝኾነት መበል 54 ዓመት ነኽብር ኣሎና፡፡ እዛ ዕለት እዚኣ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ፡ ሃገራዊ ፍሉይነትን ተዘክሮን ዘሎዋ ዕለት ኮይና፡ ኣብ ህይወት ህዝቢ ኤርትራ ንውሉድ ወለዶ ዝሰግር መድረኽን ግዜን ዘይገትኦ ነባሪ ታረኽ ብምዃና፡ ጸገማትን ግርጭታትን ንምስጋርን […]

መግለጺ ባሕቲ መስከረም 2015

ብባሕቲ መስከረም 1961 ብመሪሕ ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓወተ ዝተጀመረ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 2015 ንመበል 54 ዓመት’ዩ ዝበዓል ዘሎ። መሰረታዊ ዕላማታት ባሕቲ መስከረም ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ካብ መላእ ኤርትራ ምጽራግን ሃገራዊ ነጻነት ምርግጋጽን’ዩ ነይሩ። ኪኖኡ’ውን ንህዝቢ ኤርትራ ሰናይ ፖሎቲካዊ ምሕደራ ብምርግጋጽ፡ ዘላቒ ሰላም፡ ቀጻልነት ዘለዎ ደሞክራስያዊ ምዕባሌ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ማዕርነትን ግስጋሰን ንምውሓስ’ዩ ዝነበረ። ብ1991 […]

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net