Archive for: May, 2018

መግለጺ ሓዘን ዕረፍቲ ኣደናን መቃልስትናን ስነ ጥበባዊት ወ/ሮ ጸሃይቱ በራኺ

መርድእ ሞት ስነ ጥበባዊት ኣደ መቃልስቲ ወ/ሮ ጸሃይቱ በራኺ ንኩሉ ኤርትራዊ ምስ በጽሐ ዘሰምብድን ዘሕዝንን ተርኽቦ ኮይኑ፡ ኣደናን መቃልስትናን ወ/ሮ ጸሃይቱ በራኺ ኣብ’ቲ ስነ ጥበብ ዝተሳተፋሉ እዋን ይትረፍስ ንደቂ ኣንስትዮ ንደቂ ተባዕትዮ’ውን ከም ነውሪ ዝቁጸረሉ ነበረ ብድፍረትን ትብዓትን፡ ኣብ መድረኽ ንዕብየት ባህሊ ሓደ ሸነኽ፡ ንመሰል ከም ጓል ኣንስተይቲ ስዒረንኦ፡ ዓብይ ተፈላጥነትን ተቀባልነት ረኺበን። ብዝያዳ’ኳ እቶም […]

ቃል ሓዘን ብዕርፍቲ ዓባይ ሃገራዊት ወናም ጸሃይቱ በራኺ

ዓባይ ሃገራዊት ወናም ድምጻዊት ጸሃይቱ በራኺ ብሓሙስ ዕለት 24 ግንቦት ኣብ ሆላንድ ከተማ ሮተርዳም ብሞት ተፈሊያትና። ዕርፍቲ ሓርበኛ ድምጻዊት ጸሃይቱ ምስ ተሰምዐ ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሖም ዝርከቡ ደቂ ኤርትራ ከቢድ ሓዘን ከም ዝተሰመዖም ዝገልጽ ጽሑፋት ኣብ ሶሻል መድያ ክቃላሕ ጀመረ።

ሰልፊ መበል 27 ዓመት ነጻነት ኤርትራ ኣብ ስቶክሆልም

ዕለት 24 ግንቦት 2018 መበል 27 ዓመት ነጻነት ኤርትራ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተቃወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ዘኽበረሉን ዝዝክርሉን ዓብይ ኤርትራዊ ሃገራዊ በዓል’ዩ። እንተኾነ ብሰንኪ መላኺ ጨፍላቒ ፖሊስታት ስርዓት ህግዲፍ ህዝብና ኣብ ደጋፍን ተቃዋምን ተፈላልዩ፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ህዝብናን ሃገርናን ብፍላይ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት ማእሰርቲ ስቓይን፡ ዋጋ ብሉጻት ወለዶ ዝተኸፍለሉ ነጻነት ከም’ቲ ዝግባእ ክዝከርን […]

Why Do We Celebrate Independence Day ?? !!

Today is a day to express our joy on the occasion of the Eritrean Independence Day and the day of expulsion of the Ethiopian occupation army from the Eritrean soil, thus ending the sufferings of our people, which lasted for centuries of successive occupations.

ስለምንታይ ኢና ሎሚ በዓል ናጽነት እነብዕሎ ዘሎና ??!!!!

·       እዛ መዓልቲ’ዚኣ፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ ወትሃደራዊ ሓይሊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ካብ መሬት ኤርትራ ብምብራር፣ ሃገራዊ ናጽነቱ ዝተጎናጸፈላን፡ ብሰንኪ ሰንሰለታዊ መግዛእትታት ዘጋጠሞ ቀጻሊ ሕሰምን መከራን ዘኽተመላ ዕለት ብምዃና፣ ሓጎስና እንገልጸላ መዓልቲ ኢያ።  ·       ምርግጋጽ ናጽነት ኤርትራ፣ ህዝብና  ጩራ ሓዲሽ ወጋሕታ ዝተኸሰተሉ ሁመት ምዃኑ ስለ ዝገመተ፣ ምዕብልትን ዘመናዊትን ዲሞክራስያዊት ሃገር ብምቛም፣ ዜጋታትና  ፍትሕን ሓርነትን ቅሳነትን ከስተማቑሩን፣ ውልቀ […]

ርእሰ ዓንቐጽ ሰዲህኤ 20 ግንቦት 2018

መበል 27 ዓመት መዓልቲ ነጻነት    ኤርትራ ሃገርና ኤርትራ ከም ኩለን ሃገራት ዓለም ታሪኽ ኣለዋ፡ ብፍሉይነት ኤርትራዊ ታሪኽ ከኣ ብዘለዋ ጂኦ ፖለቲካዊ ኣቕውማምጣ ኣካል ኣህጉራዊ ታሪኻዊ ተርኽቦታት ክትኸውን ዘእኽኣላ ብዙሓት ረቛሒታት ኣሎ። መናሃሪ ባይታ ታሪኽ ዝተፈጸመሉ ቀይሕ ባሕሪ መድረኽ ብምንባራ ከኣ ግድነት ነይሩ ኣካል’ዚ ታሪኽ ክትኸውን። ኣገዳስነት ጂኦ ኣቐማምጣ፡ ኤርትራ ትርከበሉ ማእከላዊ ምዃኑ ንረብሓታቶም ንምዕዋት ዘንቐሎ […]

ብሩኽ ቅነ ጾም ሮመዳን ይግበረልኩም

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን እትርከቡ መላእ ኣመንቲ ምስልምና ኤርትራውያን በዚ ሎሚ መዓልቲ ጀሚርክምዎ ዘለኹም ጸሎትን ተሞክሮ መንፈስን ብሩኽ ቅነ ጾም ሮመዳን ክገብረልኩም ንምነ።   ዜናን ሓበሬታን ሰዲህኤ

ክሲ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት

ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ብዕለት 14 ግንቦት 2018 ብቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ክሲ ኣቕሪቡ ኣሎ። ኣብ’ዚ ዝወጸ መግለጺ ሚኒትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ፡ ዑደት መራሒ ኢትዮጵያ ንሱዳን ኣብ ዘካየደሉ ”ንዕጡቓት ተቃወምቲ ኤርትራ ንዝብልዎም” ብዝግባእ ተርኦም መታን ከሰላስሉ ኣብ ደዶባቶም ሙሉእ መሳለጥን ደገፍ ክህብዎም ተሰማሚዖም ይብል። ቀጺሉ ኣብ’ቲ መግለጺ ጅሃዳዊ ውድባት […]

ደምዳሚ ኣዋጅ ጨንፈር ሽወደን

  ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ጨንፈር ሽወደን ዓመታዊ ጉባኤኡ ኣካይዱ ። ኣብቲ ጉባኤ ካብ ሽማግለ ጨንፈር ዝቀረበ ፖለቲካውን ቁጠባውን ጸብጻብ ኣምቢቡ ድሕሪ ምጽዳቅ ሓዳሽ ሽማግለ ጨንፈር መሪጹ ። ኣብ መጨረሻ ሃናጺ ዝኾነ ለበዋታት ንጨንፈር  ቀሪቡ ።

ተነጽሎ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ

ኤርትራ ነጻነታ ኣዊጃ ኣባል ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ ካብ ትኸውን፡ ድሕሪኡ ዘሎ ግዜ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝተኸተሎ ፖሊሲ ዘቤታዊ ምሕደራ፡ መስርሕ ኣህጉራውን ዲፖሎማስያውን ዝድምናታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ህዝቢ ዓለም ዘይተጸበዮ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ህዝቢ ዓለም ድሕሪ ጫካን ወታሃደራዊ ምሕደራ ደረግ ተሳዒሩ ምስ ወጸ ኣብ ኤርትራ ተመሳሳሊ ተርእዮ ዳግማይ ክጋሃድ’ዩ ዝብል  ሚዛን ይኹን ትጽቢታት […]

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net