ንዝኽሪ ! 6 ዓመት ብዘይ ፍረዲ

ሸሪፎ ኣቦ ሓፋሽ ኣበይ አሎ ደሃካ ?
ንብጻይካ እምበር ንርእሰይ ከይበልካ
መብጽዓ ቃልሲ ከይጠለምካ ተማጉትካ
ሓቂዲዩ ? እዛ ሓሳዊት ዓለም ኣርኪባትልካ
ሓቂ እንተኾይኑ እሞ ! ተዘሚታ ሃገርካ !

ዑቑበ አብርሃ ጎይታ ጠባይ ኣበይ ኣሎ ደሃይካ ?
ሓቂ ዲዩ ከምቶም ዝሓለፉ 3 ኣሕዋትካ ሓሊፍካ
ቶባእ ዓለም ! ኣብዛ ሃገር ድኣ ንመን ገዲፍካ ?
ሕዝብኻሞ ኮይኑሎ ጌና ከም ሕቱም ታኒካ

ክዝክሮ ንሃይለ ድሩዕ ! ክኢላ ተማጓቲ ?
ኤረ እንታይ ኢኻ ገርካ ?
ምእንቲ ሃገርካ ስለ ዝተማጎትካ
እዚ ኩሉ ስቓይ ምተገበኣካ

ደሃይ ጴጥሮስ ሰለሞንከ እንታይ አሎ ?
ምስኪናይ ምስ በዓልቲ ቤቱ ተኣሲሩ አሎ !

ወይለይ ! ኣንታ እንታይ ዲዩ ነገሩ !
ካን! እሞ ሰብኣዮም ሰበይቶም ክእሰሩ
ኣንታ እዚ ሕዝብናስ ዓይኑ ኢዩ`ባ ዓዊሩ
ኡይ ! ኡይ ! ዘይብል ዓው ኢሉ ኣምሪሩ

ኣስተር ፍስሓጽዮን ኣደ ሓፋሽከ ኣበይ ኣላ ?
ሽዱሽተ ዓመታ ገይራ ኣላ ኣብ ሸላ
ኤረ ብህወታ`ዶኸ ኣላ! እስከ ሓቢርና ንሕተተላ

ኣለዉ ብዙሓት ጀጋኑ እሱራት ጌና ዘይዘከርኩልኩም
እስከ ናይ ገለ ውሑዳት ኣስማት ክዝርዝረልኩም !

በራኺ ገብረሰላሴ ኣቦ ናጻ ፕረስ ኣበይ አሎ
ሓሚድ ሓመድ በዓል መብጽዓ አበይ አሎ
ጅርማኖ ናቲ ጎይታ ጠባይ ኣበይ አሎ
ኪዳነ ገብረኣብ ፊተውራሪ ኣበይ ኣሎ
ኣልኣዛር መስፍን ኣቦ ሓቂ አበይ አሎ
ብርሃነ ገረዝጊሄር ኣንበሳ ኣበይ ኣሎ
ቢትወደድ ኣብርሃ ጅገና አበይ ኣሎ
ኢድሪስ አቡ ዓረ ጅግና አበይ ኣሎ
ኪሮሰ ዓወር ተዋዛዪ ኣበይ ኣሎ
ሳልሕ ከኪያ ህርኩት ኣበይ ኣሎ

ጀጋኑስ ይበልዩ አለዉ ኣብ ጎዳጉዲ ዔራዔሮ

ኤረ ! ብዛሓትዮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሰፈሩ
ክንደይ ወለድን መንእሰያትን እሞ ዘይተኣስሩ
ዝተረፉ መንእሰያት ከኣ ኣብ በረኻን ስደትን ሰፈሩ

ኣንታ እዚኦም`ዶ ንዓመታት ብዘይ ፍርዲ ምትኣስሩ
ጸላእቶም ከባርሩ ኣንጊሆም ዝወፈሩ
ፍርቂ ሂወቶም ተቓሊሶም፤ ዓደቦና ዘልበስዎ ክብሩ
ክሳብ መጨረሽታ ከኣ ኣብ መተከሎም ዝተረሩ

ካን ደሃይ ኣጥፊእካ ናይ ቀደም ይከኣሎ
ብጾትካ እናነበሩ ኣብ ጸልማት መንቀራቕሮ !
ገሊኦም ኣብ ስደት ኮይኖም ዝሮምሮ
ሕዝብኻ እናነበረ ኣብ ከርፋሕ መነባብሮ
በጃኻ ! በጃኻ! ይከኣሎ ንዓባ ስምካ ቀይሮ !
ወይስ ሒዙካዩ ናይ ጥልመት መንሽሮ

እንታይ ድኣ ይገበር ንሓዋሩ
ሃየ እሞ ሕዝብና ! ሓቢርና ንሕሰበሉ
ተቢዕና ከኣ ንመሰልና ንቃለሰሉ
ጀጋኑ ዝበሃሉ ከይንስእን ንሓዋሩ !!!

ኣምላኽ! ኣላህ! ይሓገዝ ከኣ ባዕሉ

ዝኽሪ ንእስውኣት
ናጻ ንጀጋኑ እሱራት
ዉድቀት ንጠላማት

ኣብርሃም ተኽለ

ፍራንክፈርት
14.09.2007

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1184

Posted by on Sep 14 2007 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net