ትፈልጥዎ´ዶ ?

መብጸዓ ህግሓኤ ዝጠለመ

ብቅዋም ከይምራሕ ዝትሓርመ

ብሓይሉ ኣብ ስልጣን ክነብር ዝሓለመ

ህግደፍ (ሕጊ-ግደፍ) ኢሉ ንነብሱ ዝሰመ

ብራዕድን ሽበራን ክገዝእ ዝወሰነ

ንዜጋታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘማሰነ

ንብጾቱ ካብ ጸላእቱ ንላዕሊ ዝጨከነ

ንኣቦታትን ኣደታትን ዘኣሰረ

ንመንእሰያት ካብ ሃገር ዘባረረ

ክብሪ ደቂ ኣንሰትዮ ዘድፈረ

መሰል ዜጋታት ኩሉ ዝጠሓሰ

ምልካውነት ኣብ ኤርትራ ዘንገሰ

ምስ መላእ ህዝቡን ዓለምን ዝተባእሰ

ጸረ-ምሁራንን ለባማትን ዝጨደረ

እታ እንኮ ዩኒቨርሲቲ ዝሸጎረ

ንዝብና ብሓፈሻ ዘደንቆረ

ብሕታውያን ጋዜጣታት ዝሎከተ

ቑጠባዊ ሃብቲ ሃገር ዝገበተ

ብጽሉል ፖሊቲክኡ ዝሃውተተ

ኩናት ምስ ጎረባቢቱ ዝጻሕተረ

ብኩናት ዝነብር እናመደረ

ንሰላም ካብ ሃገርና ዘባረረ

ሰላም ህንጸት ኢዩ

ውግእ ግን ዕንወት ኢዩ

ኢሰብኣዊ ተግባራት እናረኣኻ

ስቕ ምባል ሓጥያት ኢዩ

ኣብርሃም ተኽለ

29-11-2007

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1254

Posted by on Nov 29 2007 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net