ድሕሪ ምጥርጣር ፈትሽ … ድሕሪ ምብጋስ መርሽ

ታሕሳስ 08-2006

ረ.ክ.(ባሻይ)

ኣብ ማእከል ዝርከብ ከም ሰልቲ

መርዓት ናይ ቀይሕ ሽጒርቲ

ሰረት ጅግና ቀደሙ መካቲ

      ኲለል ፈትሽ ላዕለዋይ ታሕተዋይ

      ፈላልዮ ቅኑዕ ድዩ ጥውይዋይ

      ኣይትእመኖም ብዓል ቀጢን ቀላይ

ባይታ-ባይታ ከም ተመን በጠ-በጥ

ኣብ እግሪ መለኽቲ ዘይረብሕ ቀበጥበጥ

ኣግህድዎ በሎም ንምንታይ ይዕበጥ?

      ጒምብሕ-ጒምብሕ ዝብሉ ኣለልዮም

      ዳዊት ህግደፍ ከንብቡ ደልዮም’ዮም

      ልምዲ ’ለዎም ታሪኽ ናፊቖም’ዮም

ጥልመት ዕጥቁ ህዝቡ ዘየኽብር

ጸረ-ሰላም ምስ ሽፍታ ዝመክር

ዒቃ ሳእኑ ብሸታሕ ይጅምር

      መሰል ህዝቢ ተማሕዩ ካብ ሱሩ

      እተዉ ዘይብሉ ብጀካ ውፈሩ

      ኣረጊት ተዀርሚዩ መንእሰይ በሪሩ

ጽናዕ ህዝበይ ዘክሮ ታሪኽና

ጽንዓት እንድኣሉ ስንቂ ጅግና

ዕጥቂ ተበጀውቲ ስውኣትና

      ርስቲ ስዉእ ዘየኽብር ከዳዕ

      ስቅያት ሓፋሽ ዘይብሎ ጸላዕላዕ

      ዕርዲ ጥልመት ክብል’ዩ ገማዕማዕ

ኣብ ደረቶም ሱር-ነቀል’ዩ ሽምና

ኣብ ትሽትሾም ሳንጣ ናይ ጽገና

ነዚኦምዶ ትብሎም መራሕትና?

      ብሽም ሩባ ማይ አለዎ ’ይትበል

      ብሽም ቀላይ ተገሪህካ ’ይትዝለል

      ብሽም “ሰላም” ዕላማኻ ’ይትቕተል

ተስፋ ዝቖረጹ ቃልሲ ዝኸበሮም

ሸርፊ ስልጣን ህግደፍ ዝተራእዮም

ጥላም ላኻ ኣብኣ ትጽበዮም

      ፈትሽ መርሽ ኣታ ብዓል መትከል

      ብደወል መለኽቲ ኣይትታለል

      ባዕሎም ይስምዕዋ ’ቶም ሰብ ኣመል

እቲ ዝሰምር ይስመር ብዕላማ

ናይ ምትእምማን ዝኣሰረ ጋማ

ናይ ተብዓት ኣብ ግንባሩ ኣርማ

      ሰብ ዘተ ሰብ “ሰላማዊ ፍታሕ”

      ከም ድልየቶም ይበሉ ሸታሕ-ታሕ

      ይጽዐ ልኻይ ይፈለ ’ቲ ብራሕ

ግህዶ’ውን ትብዓት’ዩ ብመልክዑ

ዋላ ጥልመት ይኹን ኣንዳዕዲዑ

ይበርሃሎም ’ቶም ዘይሰምዑ ’ሰምዑ

      ብዓል ከርበስ ይፈልፈል ይሸረጥ

      ሰፈር ጋኔን ኣይፈቱን ቀበጥበጥ

      ስዉር ሕማም ብዂርማጅ ይፍለጥ

ምሳሕ ናይ ጨቓዊት ከም ኲርኲሮ

ሓመድ ደፊኑዎ ናይ በላሕቲ ’እምሮ

ርእሱዶታ የድንን ወደ’ምበሳ ዋዕሮ!

      ፈትሽ መርሽ ኣታ ብዓል ዓዲ

      ብዓል ገበን ክቐርብ ናብ ፍርዲ

      ብዓል ማእሲ ክድቅስ ኣብ ንእዲ!

ኣፎም ተለጒሙ ጽገና ከይብሉ

ድንገት መሊቛቶም ሓቂ ከየዕልሉ

ግርም ተቓውሞ ግርም ውሓላሉ

      ፍርቂ እግሮም ኣብ ጒድጓድ ሰፊሩ

      ናይ ታሪኽ በሰላ ዘይዝክሩ

      ብሽም “ሰላም” ጥዑያት የስክሩ

መንገድኻ ፍለጥ ፈታሻይ መራሻይ

ግዜኻ ኣይተጥፍእ ኣብ ዘይከውን ውራይ

በኾራ’ዩ ትርፎም ብዓል ክናብ ብዕራይ

      መጋይሽቲ ምረጽ ኣይትድከም ንብላሽ

      ዕረፍቲ  ዘይብሉ ኣብራኽካ ምሕምሻሽ

      ትጽቢት ናይ ውጹዓት በከንቱ ምሕሻሽ

ተስፋ ዝቖረጸ ህግደፍ ይጽውዖ

ጽፍሪ ዘይብሉ ሰብ ዝሓክኽ የቕንኦ

ዕሽነት ይኣክል ንግበረሉ ድብኦ!!!

ረ.ክ.(ባሻይ)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1394

Posted by on Dec 8 2006 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net