ዓመት ንዓመትየ የስግረና !

ጥምርትን፡ ምዕብልትን፡ ሰላምን፡ ፍትሕን፡ ደሞክራስን፡ ዝመልኣ ሃገር ንኽትከውን ብዘይዕርፍቲ ለይትን መዓልትን፡ ኣብ ጻዕርን ሓርኮትኮትን እትርከከቡ ኩላትኩም 2007 ዓመተ-ጥዕናን ዓወትን፡ ዓመተ-ፍቕርን ሰላምን፡ ዓመተ-ሕውነትን ሓድነትን፡ ዓመተ-ምትካል ሕዝባዊ መንግስትን፤ ውድቀት ምልካዊ ስርዓትን እተበስር ዓመት ክትኮነልና ሰናይ ትምኒተይ እገልጽ፡፡

ብፍቕሪ ሃገርካ ተመሊእኩም

ንክብሪ ሃገርን ሕዝባን ትቃለሱ ዘሎኹም

ሕድሪ ሕዝብናን ሰማእታትናን ዘይጠለምኩም

ናብ 2007 ኣምላኽ ብጽቡቕ የሳግርኩም

ብሓባር ዝጽዓርናሉ ናጽነትና

ንኽሕሎ ሰብኣዊ መሰላትና

ከምዝተጸበናዮ ግን ጌና ዘይኮነልና !

ትምኒትና ክሰምረልና ክግሃደልና

ኣብ 2006 ዝዓንበበ ስራሓትና

ኣብ 2007 ኣብ ፍረ ክበጽሓልና

ሃየ ንስራሕ ኢደ ኢድካ ኢልና

ሓድነትና ኣትሪርና ኣስሚርና

እንደገና ክድልድሉ ኣዕኑድ ሃገርና

ሓቢርና ንቃለስ ተስፋ ከይቆረጽና

ንምልካዊ ስርዓት ኣባሪርና

ናብ ረብሓ ሕዝብና ቀይርና

ክንተክል ሕዝባዊ ስርዓትና

ዓመተ ክልተ ሽሕን ሸውዓተን

ብዝያዳ ጥበብን ክእለትን

ክንሓፍሰላ ኢና ብስለትን ዓወትን

ንተንኮል ምልካዊ ስርዓት በናጢስና

ዝናር  ሕግን ፍትሕን ሓቅን ተዓጢቕና

ካብ  ባርነት ሕጊ-ግደፍ ከነናግፎ አሎና ንሕዝብና

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ሰማእትታትና

ጥርጥር የለን ናይ ግድን እዩ ዓወትና

2007ን ይግበራ ዓመት ጭቁን ሕዝብና

ዕድመን ጥዕናን ከኣ ንኹላትና

ኣብራሃም ተኽለ

ፍራንክፈርት 24.12.06

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1410

Posted by on Dec 24 2006 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net