ዕጭለይ !!

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

16 መስክረም 2010

ንኺድ ትብለኒ ዑፍ ድየ ከንሳፈፍ

ሸሎው ዝበለ ጎቦታት ኣጻድፍ

ንሰብስ ይትረፍ ጤል ዘይሕልፍ

መገሻ ዕግርግር መኻልፍ

ቅሳነት ዘይብሉ ዘይዓርፍ፡

ጽቡቕ ግዳ ዘይትመክር

ዕዳ ዘይብሉ፡ ደሓር

ህዝባዊ ኣተሓሳስባ ናይ ሓባር

ፖለቲካዊ ርግኣት ረብሓ ሃገር፡

እምነት ዘይብሉ ስራሕ

ጸልማት ዘይብሉ ጽባሕ

ህዝቢ፡ ሃገር ኣይርባሕ

እንተዀይኑ ነገሩ፡ ሽሕ ግዜ ይራሕራሕ፡

መንገዲ ጥዕና ዓመት ኪዶ

ጾር ተኻፊልና ንመን ይኸብዶ

ንሓቂ ኣየድልየካን ምዕዶ

ከም ጮራ ጸሓይ፡ ተስፋ ማዕዶ፡

ደጊም ቁሩብ ሕሰብ

ጉዳይካ ፈጽም ብዘተ ልዝብ

ፍቕርና ክስስን ክዕምብብ

ኣይጠቕምን’ዩ ሸለብ ገለብ፡

330፡ ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን

ኮይንዎ  ድዩ ናይ 4 ሚልዮን ልሳን

ተባሂሉ ኣልፋን ኦሜጋን

ንሳ እንተዀይና ሃገራዊ መድሕን፡

ዝተሓስበ ዝተተለመ

ንመወዳእታ ፍጻመ

ዝተጻሕፈ ዝተቀለመ

ምስ ፈሸለ ምስ ቐሃመ

ሓቂ ንዝሞጎት በልካዮ ጸለመ፡

ወይ ጉድ

ብፍሽለትኻ ዘይትፈግድ

ንሞትካ ፍሒርካ ጎዳጓድ

ኣብ ዕዳጋ 330 ክትነግድ

ዓለም ከ እንታይ ይፈርድ፡    ኢልካ ዶ ኣይትሓስብን……

በል ኣነስ ኣይኸይድን ዕጭ ሓንፈፍኩ

እንታይ ገደሸኒ ብጸድፊ ዝተሃንፈፍኩ

ምስ ሽማግለ፡ ምሁሩ ኮፍ ዘይብል ዝዓጸፈ ብርኩ

ብህዝባዊ፡ ብሃገራዊ፡ ብሕጊ ዝሻረኹ

ካብ ሕስዅሽኽ፡ ባይቶኡ ኣበሪኹ

ህዝቡ ዝመክር፡ ብኡነተይና ፍቕሪ፡ ብእምነት ማሪኹ፡

ኣነስ ትሕሸኒ፡ ምስኦም እየ ዘለኹ፡

ህዝቢ ዘይውዓሎ ውሳነ

ምልካዊ ስርሒት ኩነነ

ንስኻ ብዘንጊ፡ ብዘንገይ ኣነ

ኣብ ቕርዓት ንሞጕት ብደቀባት ንዳነ

ሽዑ ክረአ ፊቱ ዝጎልበበ፡ ዝኸደነ፡

ግን፡ እንታይ ገደስካ ትወጽእ ቕርዓት

መርትዖ ዘይብልካ ሕፍረት

በይንኻ ካብ ክትሽከም፡ ናይ ኣሕሉቕኻ መዓት

ስልጣን ምሕሳብ ዕውረት’ዩ እሞ ዕውረት

ተጸጋዓዮ ህዝብኻ፡ በዓል ጸጋ ምሕረት፡

ሓቒ ተዓጠቕ በል ገጥ

መስዩ ወግሑ ዘይኩሉ ዝፍለጥ

ማራቶን ኣይኮነን ብጎይካ ዝምለጥ

መዋጽኦ ክትረክብ ብቕንዕና ስለጥ፡

ቀለም ከይነቐጸ ውዕል ዝደፍኑ

ጉባኤናታት ዋዕላ ከይተመሳገኑ

ውሳኔ ከየጽደቐ ህዝቢ ዘሳጕግ ዘፋኑ

ስቕ ምባል ይሓይሽ ነገር ብኽዱኑ

ጕድ እዩ ግዜኡ ዘመኑ፡

ግን እቶም ትጻልቱ ሰላም ትልምኑ

እቶም ትጋደሉ ፍትሒ ትሕልኑ

ጸለግለ ከይበለ መሬት ብእዋኑ

ዘንግኹም ክረትዕ ሓሶት በርዒኑ

ምስ ህዝብኹም ክትዀርዑ ክትሕበኑ።

ፍትሒ ንደላይ ሓቐይና ፍትሒ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1530

Posted by on Sep 17 2010 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net