Poetry

ኣየ ግፍዒ የንታ

ካብ ገብሪሂይወት (ኣቡዓሸራ)

    ኣይ ውሓዶን ብሓሶት ንህዝብና ዘታለልዎ

    ስቓይ ምስ መረረ

    ስደት ዓቐኑ ምስ ንሃረ

    ሓቂ ምዝራብ ምስ ተጀመረ

ምስጢር ውጽኤ ናይ ቡኩላት ኣፈኛ

ንሰብ ምእሳር ከም ኣድገ በቅሊ መጻዓኛ

ልዕሊ ቅዋም ሕጊ ኮይኖም ባዕሎም ዳኛ

                        ደቁኹም ሃዲሞም ኢሎም 50.000 ናቕፋ

                        ወይዛ ወላዲት ኣደ ኣይ ብእግራ ብኣፋ

                         ናይ ህግደፍ መግዛኣቲስ ኣለዎ ሓለፋ

ህይዝቢ እና ዳጎንካ ንስደት እና ኣገደድካ

ስንጋፎር ክትቕየር ኤርትራ ከመይ ጌርካ

ህግደፋይ ትሓልም ዲኻ ዘለኻ ሃውቲትካ

                         ስዓታት ይቆጸር ምዓልቲ ይጸብጸብ

                          ኩሉ ገበንጉም ኣብ ርእሲ ወዲሰብ

                        ክትክፈሉዎ ኢኹም በስገዳድ ብቐሰብ

ንዝተቃወሙ ኣሲሮም ናብ ሃፈጭታ ሃሩር ዊዓ

ኤርትራ ሃገረይ ጭካን ድክታይተር ጸዊዓ

ኣብ ነውሰከፍ ገዛ ኩላ ተኾርምያ ነቢዓ

   ነዚ ዲና ኸፊልና እዚ ኹሉ መስዋእቲ

   ዓሕ ዋይ ኣነ ፍረ መስዋእቲ ንተበለጽቲ

   ዜጋታተይ ሓዲኡ ንግበር ንማኻር ንዘቲ

ጉልበትናን ገንዘብናን ንብረትናን ንስራዕ ንምቅዋም

ወጻዕን ተወጻዕን ዝዳነይሉ ክምስረት ሕጊ ቅዋም

ህዝብና ክቐስን ኦፋይ ኢሉ ክድቅስ ክረክብ ልዋም

ነዚኣዮም ሓሊፎም ሰማእታትና

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top