እወ ሰብ ግራት ኢና

መስከረም 17-2006

ረ.ክ. (ባሻይ)

እወ ሰብ ግራት ሰብ ዓውዲ ሰብ ዓቤት

ተደፊርና እንደ’ሞ ተደፊእና ደረት

ሰብ ኣደራሽ’ወ ሰብ ማይ ቤት ገደና

ሰብ ሕጊ ሰብ ባይቶ ድሓን ይሃበና

      እምብኣር ኣማስይኡስ ኣለሊኹምና

      ልክዕ ሓቅኹም ሰብ ግራት’ያ ሽምና

      ከይተፈለጠኩም ገልጠምጠም ክትብሉ

      ጸርፊ መሲሉኩም ሓቂ ተሸሽ ኢሉ

ሰብ ዓዲ ሰብ ኣውርጃ ሰብ ባሕሪ በረኻ

እምባሕ ትብለሉ ላም ምስ ብተይ ምራኻ

ሰብ ኣውሊዕ መሞና ሰብ ባይቶ ሽባኻ

ዓዲ ተኸባበር ሃብታም ኰነ ድኻ

      ሰብ ግራት ሰብ መሬት ሰብ ማሕረሻ ስበት

      ሰብ ዱዃ ዋላኻ ሰብ ጸባርያ ሽዕበት

      ሰብ ዳዕሮ ሰብ ሳግላ ሰብ ዓካተ ጋባ

      ሰብ መጋርያ በርከት ሰብ ጽዕዲተ-ኣልባ

ሰብ መሬት ሰብ ግራት ሰብ ኣርዑተ-ነዊት

ሰብ ጽንዒ መስከረም ሰብ ገደና ሰዊት

ሰብ ዳብዛ ኣርቃይ ሰብ ዘንጊ ሰብ ጥወ

ዓዲ ዋሕስ ትኸል ሰብ ገመል ሰብ ሰርወ

      እሱ’ንድዩ ጸገምኩም ምዓስ ጠፊኡና

      በጨቕ ዶታ ኢሉኩም ስቕ ኢልና ከለና

      እወ ሰብ ግራት ሰብ ደምበ ስብ ኣጒዶ

      ሰብ ወንጭፍ መሸላ ሰብ ሸሞንተ ቅውዶ

እወ ሰብ ግራት ሰብ ጒምቦ መሸላ

ብመቝሽር ነዕልል ኣብቲ እግሪ ዋላ

እወ ሰብ ግራት ብሽልቋ ንዝቲ

ቃሕ እንተበለና ንህንኲት ንዕርቲ

      እወ ሰብ ግራት ሰብ ቆላ ሰብ ደጋ

      ደቂ ሰኒ ውዕላም ደቂ ዓጽመ-ስጋ

      ዘይሰምዕ ደራፋይ ሓንቲ ዝመዝምሩ

      ደርፊ ክደጋግም ትብተኽ ክራሩ!!!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2420

Posted by on Sep 17 2006 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net