ናይ ግፋ ራዕዲ

ታሪኽ ግፋ አብ ሂወትና

ክንትንትኖ እንተኮይና

ክእከብ አለዎ ክጥርነፍ

ኩሉ ሰነዳት ብዘይተረፍ

ክሕተቱ አለዎም ዓበይቲ

ኩሎም ናይ ታሪኽ ተንተንቲ

ለባማት ዝወዓሉ ዘነይቲ

ግፋ ግናይ ቃና

አርዓደትና ምሉእ ዕድመና

አብ ቤትና ውሻጠና

አብ ስደት ዓዲ ጓና

አንቱም እንታይ’ዩ ጉድና

እንታይ’ዩ ጉድና

ጨካን ስርዓት ህግድፍ

ንህዝቢ ብግፋ ዝገርፍ

ውላድካ ሃዲም ኢሉ 50 ሽሕ ዘግድፍ

ናይ ሎሚ’ዶ ኮይኑ ሕማሞም

ናይ ቀደም መፋጥርቶም

እቲ ቀደም ህዝባዊ ሐይልታት ክብሃሉ

ሽዑ ዝጀመረ እንደአሉ

መስክራ በልወን ኩለን ዓድታት

እንተላይ ንአሽቱ ቁሸታት

አብ ዳስ አብ መርዓ

አብ ታሕጓስ አብ ጓይላ

ዘይተዓደሙ ልኡካት ሸዕብያ

መርዑት ዝጎቱ እናበኸያ

አደታት ዘሳግጉ እናእወያ

መርዓዊ ካብ ሕጽኖት

ዝምንጥሉ ከም መልአኩሞት

ቀደም ዝመለክዎ ጭካነ

መርዛማት አረመነ

ያኢ ዓብይ ጥበብ ተረኺቡ

ቆልዑ ከም ጥሪት ክኩብኩቡ

አየምህሩ አይሕብሕቡ

ጭፍራ ኢሳያስ ወይዞም ጎሓሉ

ገዲድካ ሐርበርኛነት

አፈራሪህካ ሃገራውነት

ናይ’ ዳ መን ውሕልነት

ካን ተዓዛዚርዎም

ሕልፍ ሐሊፍዎም

አብ ጎረበት ሀገር ሰሊኾም

ክምንጥሉ፤ክጨውዩ ዓፊኖም

አንቱም ትውርቑ

አንቱም ተዋህልሉ

ሰንድዎ ወላ እንተበዝሔ

መጫበጢ ምስ ወግሔ

         ወልደስላሰ ተስፋይ ዑመር

                       10/12/06

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3566

Posted by on Dec 10 2006 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net