Poetry

ናይ ግፋ ራዕዲ

ታሪኽ ግፋ አብ ሂወትና

ክንትንትኖ እንተኮይና

ክእከብ አለዎ ክጥርነፍ

ኩሉ ሰነዳት ብዘይተረፍ

ክሕተቱ አለዎም ዓበይቲ

ኩሎም ናይ ታሪኽ ተንተንቲ

ለባማት ዝወዓሉ ዘነይቲ

ግፋ ግናይ ቃና

አርዓደትና ምሉእ ዕድመና

አብ ቤትና ውሻጠና

አብ ስደት ዓዲ ጓና

አንቱም እንታይ’ዩ ጉድና

እንታይ’ዩ ጉድና

ጨካን ስርዓት ህግድፍ

ንህዝቢ ብግፋ ዝገርፍ

ውላድካ ሃዲም ኢሉ 50 ሽሕ ዘግድፍ

ናይ ሎሚ’ዶ ኮይኑ ሕማሞም

ናይ ቀደም መፋጥርቶም

እቲ ቀደም ህዝባዊ ሐይልታት ክብሃሉ

ሽዑ ዝጀመረ እንደአሉ

መስክራ በልወን ኩለን ዓድታት

እንተላይ ንአሽቱ ቁሸታት

አብ ዳስ አብ መርዓ

አብ ታሕጓስ አብ ጓይላ

ዘይተዓደሙ ልኡካት ሸዕብያ

መርዑት ዝጎቱ እናበኸያ

አደታት ዘሳግጉ እናእወያ

መርዓዊ ካብ ሕጽኖት

ዝምንጥሉ ከም መልአኩሞት

ቀደም ዝመለክዎ ጭካነ

መርዛማት አረመነ

ያኢ ዓብይ ጥበብ ተረኺቡ

ቆልዑ ከም ጥሪት ክኩብኩቡ

አየምህሩ አይሕብሕቡ

ጭፍራ ኢሳያስ ወይዞም ጎሓሉ

ገዲድካ ሐርበርኛነት

አፈራሪህካ ሃገራውነት

ናይ’ ዳ መን ውሕልነት

ካን ተዓዛዚርዎም

ሕልፍ ሐሊፍዎም

አብ ጎረበት ሀገር ሰሊኾም

ክምንጥሉ፤ክጨውዩ ዓፊኖም

አንቱም ትውርቑ

አንቱም ተዋህልሉ

ሰንድዎ ወላ እንተበዝሔ

መጫበጢ ምስ ወግሔ

         ወልደስላሰ ተስፋይ ዑመር

                       10/12/06

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top