Poetry

መንክር ሃገራዊ ዋዕላ ግጥሚ

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

1 ሚያዝያ 2010


መዓር ለኪኻ ዕረ

ሓቂ ቐቢርካ ዝዕረ

የብሉን ፍረ

ህዝቢ ዘይሰዓቦ

ብዘይ ውዕል ኣላዝቦ

ጉያ ዋዕላ፡ ልኡኽ ሓሊቦ

ከይስሕቝ ዓደ’ቦ፡

ካብ ብጽሑፍ ትሕባእ

እታ ሓቂ ትውጻእ

ዝጎደለ ክምላእ

ህዝቢ ክጋባእ፡

ሃገራዊ ዋዕላ

ሰሪዓ ኣደልዲላ

ብማዕረ መቒላ

ባዕላ ኣላቶ ባዕላ

ኣይትደልን ዝዋጥየላ፡

ካብ፡ ብርዒ ጎድፍ

ትነፍግ ትንሕፍ

ቀለም ተንቕጽ ትጽንፍፍ

ብርዕና ኣይግበራ ትሩፍ፡

ጽሕፍ፡ ድምስስ

ውዕል ፈሰስ

ሁቦብላ ንፋስ ፡

ኣይድሌትና ዋኒና

ኣይመደብና፡ መስመርና

ህዝብና ደኣ ሃገርና

በሃልቲ ኢና፡

ሓቐኛ ወካሊ

ህዝቢ ዝደልዮ በዓል ቆጽሊ

መሰል ህዝቡ ዘስተውዕል ዘለሊ

ኣይነጽግ ኣይፈሊ

ፈራዲ ኣየድልዮ ሸምጋሊ፡

ናብኡ እቲ ጉዕዞ

ሓድነታዊ ፍልስፍና ምህዞ

ህዝባዊ ኣግእዞ፡

ማይ ሑጻን

ብሓንሳብ ይጽሕያን ይተርፋን

ከም ዝበሃል፡ ንሕናን ህዝብናን

ብዕላማን መትከልን

ኣይነልግስ ኣይንፍለን፡

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top