Poetry

ሓኺል ድሙ ሃገራዊ ዋዕላ

ግጥሚ

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

3 ሚያዝያ 2010

ነውራም ሓኺሊ ድሙ

ኣብ ናሕሲ ሰፈሩ

ከምኡ’ሉ ከሪሙ

እከይ ግብሩ

ዝሓዘ ሒዙ

ናብ ናሕሲ

ላኼማ መሪዙ

መዳኸሚ ቃልሲ

ውረድ ግዳ

መሬት ርገጽ

ርኸብ ማዕዳ

ኣይትረበጽ፡

መኻይድኻ ይትረስዕ

ድሓር ከይትምለስ

ምቕሊት ፍልለጥ ኣይትሰስዕ

ብሕጊ ተቃለስ

ሽላ ኣሎ

ናሕሲ ኣይትፍቶ

መንጢላ ኣሎ

ተዓቖብ ኣብ ባይቶ፡

ንድሕነት ህዝቢ

ንድሕነትካ

ንኽብረት ሃገር ናቢ

መጻኢ ዕድልካ፡

ናሕሲ መዓስ የጽልል

ከይትድወን

ዘይምሱል ኣይትምሰል

ንህዝብኻ ሕሰብ ሓልን፡

ሎሚ ብሓጥያትካ

ንሕና ክንናሳሕ

ተመልስ ካብ ጌጋኻ

ክንረብሕ ጽባሕ፡

ዘይግባእ ኣብ ክንዲ ኣንጻርካ ንስሓ

ስሕተት ካልኦት

ጸጋ ክውረድ ፍስሓ

ሂወቶም’ዃ ከፊሎም ብጾት፡ ….. ካልኦት ዝገብርዎ ጌጋስ ክንስሓሎም ጸገም የሎን።

ግን ንናይ ሓሶት ጸለመ ማእለማ

ኣብ ቅድሚ ህዝቢ

ንሓደ ውሱን ዕላማ

ግቡእቡና’ዩ ክንብል እምቢ፡

እምቢ ንስለ ሓቂ

ህዝባዊ ረብሓ

ሙሉእ ሰልፋዊ ቅዋምና ዘይብሃለና ፍርቂ

ዲሞክራሲያዊ፡ ሓድነታዊ ኣርሓ፡

ሰላም ንኩሉ

ፍትሒ ምስ ኩሉ

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top