ኣርሓ ሃገራዊ ዋዕላ

ግጥሚ

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

7 ሚያዝያ 2010

ኣርሓ ህዝቢ …….. ኣርሓ ዋዕላ

ሰላም መጋቢ …….. ደይቦ ዋላ፡

ባዕልኻ ቐልሶ ………. ጉዳይ ክሳለጥ

ህዝቢ ይመልሶ ……… ናይ በዓል ኣነ እፈልጥ፡

መን’ዩ ሎሚ ……………….. ስልጣን ዝህበካ

ንስኻ ዶ ኣይኮንካን ትመሚ ….. ወሳኒ መጻኢ ዕድልካ፡

ፖለቲካዊ ከትሪ …….. ወሪዱካ ሃንደበት

ተቃለሶ ብትሪ ……… ቃልካ ኣይትዕጸፍ ዘበት፡

ብሓውሪ ዝመጽእ ……. ኣይትቐበል

ድሓር ከይትጉዳእ ……… ቆጺርካ ኣውዕል፡

ከም’ቲ ዘወዓለ ምራን ……… ዘይብትን

ሎሚ ከኣ ንጃህራን ፈኸራን ……. ኣምክን፡

ንየው በሎ ጕሓፎ ……. ዘይባህልኻ ልምድኻ

እንታይ ከይተርፎ ……. ጭዋ ታሪኽካ፡

ርትዒ ……. ኣብ ባይቶ

ኣብ ግራት……. ህንኵቶ፡

ንሳ ብንሳ ……. ሓቓ ሓሶታ

ግደፍ ኣበሳ …… ፍለጣ ስበታ፡

ሰማይ ክሰርብ ………..……. ሁቦብላ ንፋስ

ደበና ክብተን ማይ ክዘንብ ……… ክትምለስ ትንፋስ፡

ጥሪት ሩባ ………… ክሰግራ

መርሓባ መርሓባ ……… ብሕሉብ ክትድረር ስድራ፡

ሃገራዊ ዋዕላ ……… ክንሰግሮ

ብኩሉ ዝዘተየላ …….. ሓባርዊ ክንገብሮ፡

ህዝብና ካብ መዓት ……… ናብ ራሕዋ

ክሳገር ናብ ዓወት ………. ጭቆና ክፋነዋ፡

ንሱ’ቲ ዕላማ …….. ንሃለልቲ ዘዕገርግር

ሕጋዊ ግርማ ……. ብባይቶ ዝቕይድ ዝእስር፡

ሰላም ዎ ሰናይ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=608

Posted by on Apr 8 2010 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net