Archive for: October, 2010

ማእከላይ ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባኡ ጀሚሩ፡

ማእከላይ ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዕለት 10 ጥምቲ 2010 ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባኡ ጀሚሩ። ኣብ ፈላሚ ውዕሎ ኣኼባኡ፡ ናይ ኣባላቱ ሰፊሕ ዲሞክራድያዊ ሱታፌ ንምርግጋጽ፡ ንኣባላት ባይቶ ኣብ ሰለስተ ዓውደ ምይይጣት ዘከፋፍል ኣሳላጢ ሓዲሽ ኣሰራርሓ ኣተኣታትዩ። ዓውደ ምይይጣት፡ ኣብ ጸብጻባት ሰክረታርያ ባይቶን ፈጻሚ ኣካልን ብዛዕባ ኣንፈታት መጻኢ ፖለቲካዊ ምዕባለታትን ዝተዳለዉ ወረቃቕትን፡ ካልኦት ኣገደስቲ ጉዳያትን ብዝምልከት ብዕምቆት […]

ብጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላን መጻኢ ጉባኤን ኣብ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ካሊፎርንያ ህዝባዊ ኣኼባ ተኻይዱ

እቲ ንዓመታት ብምስምስ ሃገራዊ ክተትን መኸተን ካልእ ውዲታዊ ወፈራታትን፡ ግዜኡን ገንዘቡን እናመዝመዙ ኣብ ነንሕድሕዱ ከይራኸብን ከይዋሳእን ከኣ ብወገንን ሃይማኖትን ፈላልዮም ኣኣብ ገዝኡ ተወሲኑ ክነብር ተገይሩ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ከተማ ሎስ ኣንጀለስን ከባቢኡን ትማሊ ቀዳም 9 ጥቅምቲ 2010 ብጉዳይ ሃገሩ ንኽላዘብ ልዕሊ 7 ሰዓታት ዝወድኤ ኣኼባ ገይሩ ውዒሉ። እዚ ጻውዒት ሃገራዊ ኮምሽን ሰሚዖም ብዝተበሰሩ ምዑታት ኤርትራውያን ዝጸውዕዎ […]

መልእኽቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ!!

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብቲ ካብ 31 ሓምለ ክሳብ 09 ነሓሰ 2010 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጋብአ ዕውት ሃገራዊ ዋዕላ ዝተመዘዘ ኣካል ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ብዋዕላ ንዝተነብረሉ እምነት እናንኣደ፡ ንውሳኔታቱን ለበዋታቱን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘይሕለል ጻዕርታት ክገብር ምዃኑ የረጋግጽ።

መኣረምታ፡ ህዝባዊ ኣኼባ ካርልስሩሀ!

ንቀዳም ዕለት 30. 10. 2010፡ ሰዓት 1500 እቶም ካብ ህዝብን በርገሳውያን ማሕበራትን ፖለቲካውያን ውድባትን ተወኪሎም ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝተሳተፉ ደቂ ሃገር፡ ሓቀኛ ስእሊ ውጽኢት ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ንተቐማጦ ካርልስሩሀን ካልኦት ናይ ባደን ከተማታትን ንምሕባር ተዳሊዮም ኣለዉ። ብተወሳኺ እውን ንድሕሪ ዓመት ኣብ ግብሪ ክውዕል ተመዲቡ ዘሎ “ሃገራዊ ጉባኤ ኤርትራ“ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ንምድላው […]

ENCDC’s Ongoing Worldwide Meetings

Eritrean National Commission for Democratic Change (ENCDC) is planning to hold public meetings in various cities worldwide in the coming weeks.   ENCDC North America will convene public meetings in Los Angeles, Oakland, and Washington DC on Oct. 9, Oct. 16 and Oct 23, 2010 respectively.   ENCDC Europe is also planning to hold meetings in Stuttgart, […]

ዜና ዉዕዉዕ ኣኼባ ሃገራዊት ኮምሽን ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ

ሃገራዊት ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፣ ኣብ ከተማ ሳንድየጎ ካብታ ከተማን ከባቢኣን ምስዝመጹ ህዝቢ ውዕውዕ ኣኼባ ኣካይዱ። እቲ ብ 2 ጥቅምቲ 2010 ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ኣባላት ዝተፈላለዩ ውድባት፣ ፖለቲካዊ ጸግዒ ዘይብሎም ውልቀሰባትን  መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዘሳተፈ ህዝባዊ ኣኼባ፡ ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየዱ ኣኼባታት ብዓይነቱ ዝተፈለየ ኣብርእሲ ምንባሩ፡ ክቱር ድሌትን ናይ ምርድዳእ መንፈስ ዝዓሰሎ ልዙብ ሃዋሁውን  ነይሩ። ኣብቲ ዝነበረ […]

ኣገዳሲ ሕዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም

ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሃገረ ስዊደን ብዛዕባ መደብ ስራሓቱን ንጥፈታቱን ኣብ ሃገረ ስዊደን ምስ ሕዝቢ ተራኺቡ ክመያየጥን ክረዳዳእን፣ ስፊሕ ናይ ሕዝቢ ኣኼባ ወዲቡ ስለ ዘሎ፣ ኩሉ ብሃገሩን ሕዝቡን ዝግደስ ኤርትራዊ አብዚ ኣኼባዚ ክሳተፍ ብኽብሪ ይዐድም።  

Experience of Eritrean National Unity and modes of transition in Eritrea?

By Fesseha Nair Introduction What is the relationship between the national unity and the liberation of Eritrea? How was the national unity during the process of nationalism and nationhood in Eritrea from the pre-colonial period and later under colonial period and after colonial period during the British administration and the Ethiopian occupation and during the […]

Home is where someone feels respected and recognised? Sweden told to embrace diversity

By Dr. Saadia Hasanen This article is meant to draw attention to some of the accomplishments of Eritrean Diaspora once they establish themselves in their host country where the rule of law and human rights are respected.  One such example is our Brother Arhe Hamadnaca who has recently won a seat in the Swedish Parliament […]

ጻውዒት ንሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ፣(Washington DC)

ዝኸበርኩም ደለይቲ ፍትሒ፣ ሰላምን ደሞክራስን ደቂ-ሃገር፤ ህዝብና ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝኸፈሎ ከቢድ መስዋእትን ስንክልናን፣ ዲሞክራሲያዊ መሰል ዜጋታታ ዝኽበረላ፣ ግዝኣተ ሕጊ ዝሰፈናን ኩሎም ዜጋታታ ብሰላምን ቅሳነትን ዝነብሩላ ምዕብልትን ብልጽግትን ሃገር ንምህናጽ ድኣ’ምበር ብውልቀ መላኺ ተቕይዳ ናብ ሕሰመ መከራ ክትጥሕል ኣይነበረን። ህዝብና ካብ’ዚ ዘለዎ ደልሃመት ሓራ ንሙውጻእ ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ወከልቲ ህዝብን ዘካተተ መጠነ-ሰፊሕ ሃገራዊ ዋዕላ […]

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net