Archive for: December, 2018

መጸዋዕታ ንምክያድ ህዝባዊ አኼባ አብ ሆላንድ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደምክራስያዊ ለውጢ- ዞባ ኤውሮጳ፡ ንዕለት 5-01-2019 ሰዓት 13:00 ድ.ቀ. ከተማ ሮተርዳም ህዝባዊ አኼባ ከካይድ መዲቡ ሰለዘሎ፡ ንኩሎም ምእንቲ ፍትሒ ዝቃለሱ ኤርትራውያን አብ’ዚ ሰፍሕ ህዝባዊ አኼባ ክትሳተፉ በኽብሮት ንዕድም። ቀንዲ መደባት ናይ አኼባ ንካልአይ ሃገራዊ ጉባኤ ኤ.ሃ.ባ.ደ.ለ. ንዝቀርቡ ሰነዳት ሓቢርና ክንመያየጠሎም ዝዓለመ’ዩ፡ አኼባ ድማ ብተሳትፎ አባላት ሃገራዊ ባይቶ ጨንፈር ሆላንድ ክክየድ’ዩ።

UN approves compact to support world’s refugees; Eritrea abstaining

By EDITH M. LEDERER – 12/17/18 11:56 PM View@Source UNITED NATIONS — With only the United States and Hungary voting no, the U.N. General Assembly overwhelmingly approved a non-binding compact Monday that provides more robust support for countries where most of the world’s more than 25 million refugees live. The Global Compact on Refugees also sets out […]

ብዝሓለፈ ታሪኽን ዝናንን ጥራሕ ክንበር ኣይከኣልን’ዩ !

ርእሰ ዓንቐጽ  ሰዲህኤ  16 ታሕሳስ 2018    ታሪኽ ዝናንን፡ ክብርን ኩርዓትን ሓደ ህዝቢ ዓብይ ኣገዳስነት ዘለዎ መሰረት መንነትውን’ዩ። ኣብ ዓለምና ድማ ይፈላለ’ምበር ታሪኽ ዝናን ኩርዓትን ዘይብሉ ህዝቢ’ኳ የልቦን። ህዝቢ ኤርትራ’ውን ከም ዓለሙ ኣዝዩ ብዙሕ ታሪኽ ኣለዎ። ኣብ ኤርትራ ያታዊ (ካብ ኣቦ ንውልዱ ብኣፍ ዝመሓላለፍ) ታሪኽ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ይውሓድ ይብዛሕ ቅርስታት፡ ሓወልትታ ዝገልጾም ኣለዎ። ኤርትራ ኣብ ገምገም ቀይሕ ባህሪ ትርከብ ሃገር ብምዃና ብኡ መንጽር ከኣ ብዙሓት መንገደኛታት ወይ ገያሾ ካብ ጥንቲ ዝመሓላለፍሉ ዝነበረ መስመር ስለ ዝኾነ ባዕሎም እቶም ገያሾ ብዛዕባ ኤርትራ ዝፈልጥዎ ታሪኽ ኣብ ጽሑፍ ዘስፈርዎን ኣሎ። ሎሚ’ውን ብሰንኪ መላኺ ስርዓት ዝተነፍጋ ጸጋታት’ምበር ስልጣነ ሒዙ ዝመጸ ቀጻልነት ታሪኽ ክህሉ ማእከል ገያሾን ንግድን ምኳናስ ዘይትጽበዮ ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ሃብታም ባህሊ ስለ ዝነበረ በቶም ድሒሮም ዝመጹ ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣድናቆት ዘትረፈ ታሪኽ ባህሊ ልምዲ ወግዕታት ከም ዝነበሮ ዝምስክር ጽሑፋትን ሰነዳት ይርከብ። 

ብዛዕባ፦ ድሑን መጻኢ ህዝቢ ኤርትራ ካብ 12 ክሳዕ 14 ታሕሳስ አብ ሃገር በልጁም ዚተዋዕለ ሰሚናር ሓጺር ሓበሬታ

(ብተክልሰንበት ተኽላይ ከም ሓደ ካብ ተሳተፍቲ ሰሚናር ዚነበሩ ሰባት) መእተዊ ከም ድሕረ–ባይታ፦ እቲ ሰሚናር ኤርትራውያን ዘይኮኑ NGO|s (ዘይመንግስታዊ ትካላት) ዚተጸውዐ ኴይኑ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ወይ አብ ከባቢኡ ከም ተወከልቲ ናይ ሕብረት-ኤውሮጳ ኴይነን ዚሰርሓ ትካላት ከም ናይ በዓል ወ/ሮ ፋን-ራይዘን Mrs. Mirjam van Reisen ዘካተተ’ዩ። ካብኡ ሓሊፉ ብዙሓት ዕዱማት ንኣብነት ካብ ትግራይ ሓደ ኣቶ ተኪኤ ኪንፈ […]

ህዝባዊ መጸዋዕታ ኣኼባ ንተቐማጦ ህዝብና በይ ኤርያ ካሊፈርነያ ኤ.ሃ.ባ.ዲ.ለ (ENCDC)

ዝኸበርኩም ዝኸበርክን ኩብራት ህዝቢ ኤርትራ ሃገርና ኣብ ትሕቲ ዲክታይተር ስርዓት ህግደፍ ተቖርና ካብ መድረኽ ናብ መድረኽ ነናብ ዝኸፍኤ ኣታሕህዛ ብስንኪ ዘይ ፍትሓዊ ምሕደራን ኣታሓሕዛ መንእሰያትና ዝፈትውዋ ሃገሮም ብሰንኪ ህግደፍ እሾኽ ስለ ዝኽነቶም ጠንጢኖማ ናብ ስደት ብ ኣማኢታት ኣሻሓት ኩጓዓዙ ጸኒሖምን ይጓዓዙን ኣለው ስርዓት ህግደፍ ኣቐዲሙ ብመደብ ንሃገርና ኤርትራ መንህሰይ ክትጽንቅቕ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ጸኒሑ ኢዩ።

ቀዳማይ አኬባ ባይቶ አብ ከተማ ኢንዲያናፖሊስ ኢንዲያና

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለዉጢ ጨንፈር   ከተማ ኢንዲያናፖሊስ ኢንዲያና ቀዳማይ አኬባኡ  ብአባል  መሪሒነት ባይቶ ሓፍትና ሂወት ገ/ሚካኤል ዝተመርሔ  ብዕለት 8/12/2018  እኬባ ተሳላሲሉ።

ብማዕዶ ንተቓወምቲ ምሕማይ የብቅዕ ሑሱም ኣጀንዳ ህግደፍ ተሰይሩ ክነቅዕ

ዝኸበርኩም ዝኸበርክን ብትውልዲ ኤርትራውያን የሕዋተይ ኣሓተይ ኤርትራ ሃገረ ሰማእታትና በዕጽምቶምን ብደሞምን  ከፊሎም ሃገር ዝገበርዋ እቲ ተንኮላት ናይ ኢሳያስ ብሰብዓታት ናይ ምትላል ዝጀመር እኖሆ ሎሚ ምቹእ ግዜ ተጸብዩ ንመንእሰያትና ኵናት ኣጊዱ ሓደ ፍርቂ ተካኢ ወለዶ ኣጽኒቱ፥ንስደት ከሙኡ ፍርቂ ተካኢ ወለዶ ኣሳፊሩ፥ ኤርትራ ካብ  ቤት ትምህርቲ ቤት ማእሰርቲ ዝበዝሔን ዝሰፍሔን ገይሩ ንኤርትራና ረሚሱዋ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ናይ ኣርቦኣታት ኣንድነት  ሓደ  ህዝቢ […]

ድልውነት ሰድህኤ ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ

ርእሰ ዓንቐጸ ሰዲህኤ 5 ታሕሳስ 2018   ሰዲህኤ ኣብ ሕድሪ ስውኣት፡ መብጽዓታት ነዊሕን ጽንኩርን ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብና ንነጻነት ዝኸፈሎ ከቢድ መስዋእቲ፡ ኣብ ዕላማታት ዲሞክራስን ራሕዋን ሰላምን፡ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ዝተሰረተ ዓብይ እጃምን ግቡእን ኣለዎ። እዚ ኮይኑ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ህግዲፍ፡ ንፍትሒ ዲሞክራሲ ዝካየድ ቃልሲ ዘለዎ ኣበርክቶ እጃም ከኣ ብዘይ ገደብ ግዜ ይጽንሓለይ ዘይብለሉ ንህሉው […]

እገዳ መላኺ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዶ ኣይዓብን!

ርእሰ ዓንቕጽ ሰዲህኤ   መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብግዜ ንውሓቱ፡ ብስፍሓት ዝጸለዎ ቦታ ኣብ ኤርትራን ወጻእን፡ ብዓይነት እከይ ተግባራት ፈጺሙ መወዳድርቲ ዘይብሉ ንህዝብን ሃገርን ዓብይ ሓደጋ ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን። መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ብዝፈጸሞ ግፍዒ ንድሕሪት ተመሊሱ ንህዝቡ ክተዓረቐሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃን መስርሕን ይወስዶ ኣሎ። መላኺ ስርዓት ህግዲፍ፡ ድሕሪ ሙሉእ ነጻነት ኤርትራ ንይምሰል […]

ዝኽሪ መዓልቲ ስዉኣት ኤርትራ !!

ዕለት 1 ታሕሳስ 1970 ዓ.ም፣ ብመግዛእታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣  ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ተቐማጦ ዖና፣  ጃምላዊ መቕዘፍቲ ዝተፈጸመላ ዕለት ኢያ። ልክዕ‘ዩ ቅድሚ መቕዘፍቲ ዖናን ብድሕሪኡን፣ ብዙሕ ተመሳሳሊ ተግባራት ብሰራዊት ጸላኢ ተፈጺሙ ኢዩ። ሰፍ ዘይብል ህይወት ህዝብን ተጋደልትን’ውን ተኸፊሉ ኢዩ። እንተኾነ ግን፣ ኣብ ዖና ብዝተኻየድ ባርባራዊ መቕዘፍቲ፣ ከባቢ ሓደ ሽሕ ዝኸውን ኣብ ሓደ ግዜን ቦታን፣ ካብ ሰላማዊ ህዝብና […]

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net