ባሕቲ መስከረም መርሓባ ክስገር’ዩ ዝኹሉ ጸበባ
ብ ገብሪሂይወት ኣቡ ዓሸራ
ባሕቲ መስከረም ተዛረቢ ብምጅማር ሰውራ
ፈለማ ጥይጥ ተተኲሳ ን’ሙሉእ ንናጽነት ሓራ
ተሰዊኡ ተሰዊኣ ዓቢ ምስ ንእሽቶ ኩሉ በብታራ
ንሰላም ንፍትሒ ንራህዋ ንዕብየት ሃገረ ኤርትራ
ቑዱስ ዕላማ ተጨውዩ ብ’ህግደፍ ተረኺቡ መከራ
ዓገብ ንህግደፍ ደጊፍካ ክራር ጓይላ ኮቦሮ ዳንኬራ
ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ሜዳ
ጀማሪ ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓወተ ኤርትራና ወሊዳ
ብኹሉ ም’ኣዝን ሃገርና ህዝብና ስዒብዎ ወሪዱ ንሜዳ
ኮለያት ዑጡቓት ጋምባለ ገይሮም ሳእኖም ዝነበረ ሽዳ
ኣዲታት ክቕልባ ክሓልፈለን ያኢ ንሳላሳ ዓመት ተዋረዳ
ድርብ ወጾዓ ነዚ ኣልቦ ስርዓት ህግደፍ ዘይ ርከቦ ፋይዳ
ባሕቲ መስከረም ሕብእ ጸላኢ ዝነበረ ተሪፍኪ ኣሎ ዝህረም
ብሓምባር ካላሽን ምስ ቅርንጫፋቱ ክድምሰስ ክብል ሓሸም
ባርነት፣ስደት፣ምእሰርቲ፣ቅትለት፣ኩሉ ጸገማትና ከብቕዕ ክኽተም
ወላዲ ከምዘይ ወለደ ኣይ ውሓደን ክሳዕ ምዓስ’ዩ ተደኒሱ ክዝኽተም
ብ’ባሕቲ ምስከረም ተዛረቡ ኣንቱም ተጋደልቲ ነበር ጀጋኑ ሰብ ቀደም
ሓድነትና ዓቂብና ነሔይል ክውዳእ ሽግር ህዝብና ክሉ ክድምደም
ባሕቲ መስከረም ኣብ ምዕራፍ ታሪኽ ኤርትራ
ንባዕዳዊ መግዛእቲ ፈንጥሻ ብናጽነት ሲዒራ
ታሪኽ ዘንጊዖም ኣይ’ንዳሃልን ብ’ህግደፍ ፈኸራ
ስርዓት ኣልቦ ሽፍታ ን’ንብረት ህዝቢ ወረራ
ሓይሎም ምስ መኸኸ ህዝቢ ተዓዊቱ ምስ ሳዓራ
ዝተበደለ ህዝቢ ሕርሞይ ን’ህግደፍ ከይ ምሕራ
ብባሕቲ መስከረም ነዞም ዓለቕቲ ደገፍቲ ህግደፍ
እናራ’ኣዩ ህዝቦም ከም ዓሳ ካ’ካብ ገዝ’ኡ ክግፈፍ
ከም ዓባቓት እንስሳ ዝ’ሳሓስሑ ምስ’ዚ ከዳዕ ህግደፍ
ይቐጽሉ ምስሕሳሕ ከም ብዓል ዓበቕ ይበሉ ቆንደፍደፍ
ሓርነታዊ ቃልስና ሓጺናዊ ጽንዓትና ግን ዘበት ከይ ዕጸፍ
ኢሳያስኩ’ም ዘዝበሎ ክትደግሙ ተዋሪድኩም ክንዚ ህተፍተፍ
ብባሕቲ መስከረም ንመድር ነቓልዕ ነቲ ቁኑዕ ሓቂ
ጽግዕግዕ ናብ ህግደፍ ተጎልብብካ ናይ ግድዓት ጨርቂ
ደገፍ ጽግዕግዕ’ኩም ንህዝብን ሃገርን ዄንኩሞ ጭንቂ
ተጸበዩ ፈንጢሱ ምስ ኣተወ ተቓዋማይ ብዓል ሓቂ
ፈኺሹ ክሓስር ንህግደፍ ዝድግፍ ኩሉ መንደልሓቂ
እቲ ኹብር ምእንቲ ህዝቡ ዝተቓወመ’ዩ ታሪኹ ወርቂ
ብ’ባሕቲ መከረአም ደቂ ሓምድ እድሪስ ዓወተ
ስጋብ ህግደፍ ዝጓሓፍ ብጽንዓት ኩላትና ንመክተ
ነቲ ዘይ ተርፍ ዲሞክራሲ ለውቲ ነቃላጥፎ ዓወተ
ኩሉ ህግደፍ ዝራሰዮ ናብ ዋናታቱ ክምለስ ንብረተ
ምስጋና ይኹና/ኹኖ ስቓይ ህዝብና ብጉቡእ ዝጠመተ
ብፍላይ ብቃልዕ ዝመደሩ ዝመደራ ጀጋኑ ሰብ ሓሙተ
ኣደማር ንህግደፍ እስትዕማር
ክብርን ዝኽርን ንስው’ኣትና
ዓወት ንዕላሞኦም ንቃለስ ዘለና
Short URL: https://english.farajat.net/?p=1141