መርሓባ ፈስቲቫል ካስል ቀሪባ
ብ ገብሪህይወት ኣቡዓሸራ
ፈስቲቫል ካስል ክባሃል ከሎ
መገዲ ሰላም ጽብቕ ንቕሎ
ጋሻ ክኣቱ ድንግርግር ከይ ይብሎ
ኣብኡ ኣለዉ ብጾት ጉዱሳት ተቐባሎ
መጋብኣያ ሃገራውያን ፈስቲቫል ካስል
ንሃናጺ ሪኢቶ ሕቶታት ዝህብ ዕድል
ሃገራዊ ጉዱስ ኽኣዩ ኣውኡ ዝውዕል
ንተሳተፍቲ ፈስቲቫል እዞም/ዘን ክብራት
ተማጎቲ ጠባቓ ውጹዓት ክፈትሑ ሽግራት
ጉዕዞ ተመዲቡ ብነፈርቲ ኣውተቡስ ባብራት
ካብ ቀረባ ይኹን ዋላ ካብ ርሑቕ ሃገራት
ናይ ስምረት ሕቶ ተሸኪሞም ዝጓዓዙ ካድራት
መጻባጸቢ ዝሓለፈን ዝተረፈን ጉዕዞ
ንህግደፍ ዘውድቕ ክድለየሉ ምህዞ
ንዕድመ ፈስቲቫል ካስል ብኽብሪ ንሓዞ
ህዝብና ከይ ነብር ንመዋእሉ ከይ ቕንዞ
ኣብ ፈስቲቫል ካስል ዝጋቡኡ/ኣ ደለይቲ ፍትሒ
ሕድሪ ዘይጠልሙ ብቓልዕ ዝቃለሱ ብዘይ ፍርሒ
ፈስቲቫል ካስል ምቅርራብ ሓምለ ተመሪጻ ወርሒ
ፈስቲቫል ካስል መራኸቢት ሓርበኛ ጅግና ተራጋሒ
ኣብ ፈስቲቫል ካስል ዝቐርብ ሕቶ ንውጹዕ ወኪሉ
ተኻፈልቲ ፈስቲቫል መርኣያ ደገፍ የታቕዕሉ
ናይ ሕቶታት መልሲ ንምስማዕ ብስነ ስርዓት ጽን ክብሉ
ብዕርፍቲ ግዜ ንዝብላዕ ዝስተ ንምኽፋል ስጋይ ስጋኻ እናሉ
ፈስቲቫል ካስል ንክትካፈል ዝምስጠካ ቀላዓለም ዘይቡሉ
ንፈስቲቫል ካስል ካብ ኩሉ ዓለም ምስ ተጓዓዝካ
ጉዳይ ሃገር ደሪኹካ ቆልዓ ሰበይቲ ንድሕሪት ገዲፍካ
ክብረት ትዓደል/ደሊ ሕድሪ ጀጋኑ ዘይ ጠለምኪ/ምካ
ሑሩመይ ኢለ ዲክታይተር ክወድቕ ዘይ ተርፍ ዓወትካ
ነዊሕ ዝተጣፋእካ መቓልስቲ ኣቡኡ ምስ ተራኸብካ
ታሪኽ ክተዕልል ወጋሕ ትብል ለይቲ ድቃስ ነይ ወስደካ
ፈስቲቫል ካስል መናሃሃሪ ቃልሲ ናይ ዉጹዓት
ፈቲቫል ካስል ኣንጻር ጭኮና ዲክታይተራዊ ስርዓት
መናደይ መገዲ ራህዋ ሰላም ክውዳእ እዚ ኹሉ ምዓት
ንህግደፍ ዝቃወሙ/ወማ ክሉኹም/ኽን ጀጋኑ ተባዓት
ኣብ ፈስቲቫል ንዛተ ከየጽኑቱና ህግደፋውያን ስሱዓት
ብምብራቅ ንፈስቲቫል ካስል ትመጽኡ ዘለኹም
ብምዕራብ ንፈስቲቫል ካስል ትጓዓዙ ዘለኹም
ብሰምየን ንፈስቲቫል ካስል ትንህሩ ዘለኹም
ብደቡብ ንፈስቲቫል ካስል ትውሕዙ ዘለኹም
ፉሉጥ እዩ ፈጥፈጥ እብል ኣሎ ጸላኢ ኹሉኹም
ነቲ ውዒሉ ሓዲሩ ፈጺሙ ዘይ ተርፍ ዓወትኩም
ኣጆና ኣጆኹም ኣጀኹን
ሕድሪ ማእታትና ክሳብ ዘይ ተተግበረ
ዘበት ፈጺማ ኣይት ፍታሕን እያ ስረ
ህግደፋውያን ይኮምተሩ ይጥዓሞም ዕረ
Short URL: https://english.farajat.net/?p=2372