Poetry

እምብኣር ኣምላኽ ኰንካ

ብ ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ሰነ-02-2006

ሓለቓ ናይ ህግደፍ ዲክታቶር ናይ ሃገር

ኣምልኹኒ ኢሉዎም ቀናእ ከም እዝጊሄር

ነጻነት ኣምጺአ ተዋጊአ ባዕለይ

ሕጂ ግዴኹም’ዩ ደጊም ስገዱለይ

ምሃንድስ’የ ነይረ ናይቲ ኩሉ ወራር

ድረፉ ድምጻውያን ውቓዕ ብዓል ክራር

      ኣይኮነን ወድ-ሰብ ንጽሓይ ዘድንን

      ትሕቲ ኣምላኽ’ኮ ኣነ’የ መኰንን

      ገሊኡ ይዘምር ገሊኡ ይሳዕስዕ

      ንዓይ ዝደለየ ኣውርድዎ ባጽዕ

ትሓጒሰ ’ለኹ ሰሚዔ ድርሰትኩም

ንዘልኣለም ንበር ጌርኩማ ጸሎትኩም

ምዓስ በዚሑኒ ህግደፍ ብዓል ቅያ

እዛ ባንዴራ’ኮ ኣነ’የ ’ምጺኤያ

      ኣይትረስዕዎ ናይ ህግደፍ ጅግንነት

      ኣፍልጡዋ ዓለም ኣብ ብዓል ነጻነት

      ሽም ንህቢ ኢልኩምኒ ብዘይ ፍትሒ-ርቂ

      ክንደይ ተስተውዕሉ ንሳ’ያ ’ታ ሓቂ

ፋሺ መሶሊኒ ንጥልያን ዘዕበደ

ወድ’ምበር ረኺቡ ካብኡ ዝገደደ

ኣዶልፍ ሂትለረ ጀርመናዊ ናዚ

ሓድጊ’ምበር ገዲፍካ ናይ ኣካልካ ጒዚ

      እንተደለየ ይቐብራ እንተደለየ ይኣስራ

      ጒድ እምበር ረኺባ ሃገርና ኤርትራ

      ኣእምሮ ስሒቱ ጀሚሩ ዓዘፍዘፍ

      ንሳ’ያ ኰይናቶ ክርስቶስ ናይ ህግደፍ

ገለን ተሰዲድና ገለን ትዓዚምና

ዝሕንፍጥ ጠፊኡ ጎዲሙ ጽፍርና

ገለን ተቐቢሩ ገለን ተኣሲሩ

ህግደፍ ኣርሓ ኰይኑ ሕዛእቲ ስዒሩ!!!


Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top