”ለባም ተወከስ ባላ ተመርኰስ”

ረ.ክ. (ባሻይ) 04-27-06

ታህዋኽ ኣይስረቕካ ዝግ በል ኣብ ዕላማ

ክንደይ ከይጠፍኣካ ጭራ ንሃመማ

ይትረፍ እንዳ ጫው-ጫው ቤት/ጽ ወኻሩ

ክንደይ ዘይሃደሙ ህልም ንሓዋሩ

ሕጊ ናይ ቃልሲ’ዩ መላኺ ክስዓር

ሓኽሊ ጥራይ ጽረብ ነታ በላሕ ምሳር

ዕውልውል ኢሉዎም ጀሚሮም ሰንደልደል

ሕርኽራኽ ቡን ሰትዮም ተደፊኡ ኣወል

ግዲ የለን ህዝበይ ኣኺሉ’ዩ ስዓት

ፈሲሱ ’ይተርፍን ናይ ኣዴታት ንብዓት

ኣይተስተንትን ጅግና ክሓልፍ’ዩ ሕሰም

ሃጒጉ ’ይተርፍን ናይ ኣቦታት መርገም

ኣንቆራ ናይ ቃልሲ ቀደም’ዮም ጀሚሮም

ኣስላማይ ክስታናይ ዶ’ይኮነን ታሪኾም

ገዛ እንተሰርሓልካ ሌባ ኣታሊሉ

መስረቒ ዝኸውን ነቓዕ ይገድፈሉ

ሽፍታ እንተለገሰ ዝገደደ ጋዶ

ምስ ደቀስካ ይመጽእ ወሳሲኹ ይወስዶ

ብግስ ከይተባህለ ለመንቲ ኰኒኖም

ባዕሎም ክብሕትዋ ኢዶም ዊጥ ኣቢሎም

ንሃገር ዘመርሑ ህግደፍ ድዮም መንግስቲ

ገሊኦም ሰብ በትሪ ገሊኦም ለመንቲ

ሽፍታ እንተነገሰ ከም ገለ ኣታሊሉ

ኣየድልዮን ሕጊ እንታይ ክዓብሰሉ

ኣስምር ቀላጽምካ ኣብ ህዝብኻ እመን

ሽዑ ዋጋ የብሉን ተናኻሲ ተመን

ለባምካ ተወከስ ባላኻ ተመርኰስ

ኰረሻ ዘይብሉ ኣይትወጣሕ ፈረስ!!! ረ.ክ. (ባሻይ)

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2436

Posted by on Apr 27 2006 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net