ፎርም 2007 ብዓወት ተዛዚሙ

ብዕለት 27/1/07 ብጨንፈር ተ.ሓ.ኤ ሰ/ባ ብምትሕብባር ኣባላት ማሕበረሰብ ኤርትራ ኣብ ኣውስትራልያ ከተማ መልቦርን እተኻየደ ፎርም ብዓወት ተዛዚሙ። ኣኼባ ዝመርሑ ብጾት ሓሰን ዒሳን ሃይለሱስ ገብራይን ዕላማን መደብን ፎርም ድሕሪ ምሕባሮም መደብ ብኣስተምህሮ ዶክቶር ብርሃን ኣህመድ ተጀመረ። ዶክቶር ብርሃን ንተሞክሮን ኣሰራርሓን ፖለትካዊ ፓርትታት ኣውስትራልያ ብሰፊሕ ድሕሪ ምግላጽ ካብዚ ተሞክሮ እዚ ብዙሕ ክንመሃር ከምእንኽእል ጠቓሚ ኣብነታት ኣቐሪቡ። ኣብ ውሽጢ ፓርታት እተፈላለየ ሓሳብ ክህሉ ከምዝኽእል ኣመልኪቱ ብሕጊ ማሕበር ተቐይድካ ምስራሕ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሩ። ንዝተፈላለየ ቕዋማት(polices) ዘጽንዑ ዝተፈላለዩ ሽማግለታት ኣብ ውሽጢ ማሕበር ምቛም ኣድላይ ምዃኑ ብሰፊሑ ገለጸ።

ድሕሪዚ ሃይለ ገብሩ ሓዲሽ ሰልፊ ብሓዲሽ ኣተሓሳስባ ብዝብል ኣርእስቲ ኣስተምህሮ ቀረበ። ሃይለ ንህልው ስርርዕና ዘለዎ ሕጽረት ድሕሪ ምምዛን ብሓዲሽ ኣተሓሳስባ እተሰነየ ሓዲሽ ስርርዕ ፓርቲ ኣድላይ ምዃኑ ሓበረ። መድረኽ ብረታዊ ተጋድሎ ነተሓሳስባናን ኣሰራርሓናን ኣወዳድባናን ዝገደፈሉ ከብድ ጽልዋ ድሕሪ ምቕራብ ካብዚ ንምውጻእ ሓዲሽ ሕጊ ቃልስን ንጥሩፍ ርእይቶታት ዝእርም ሳልሳይ መንገዲ ከምዘድሊ ገለጸ።

ድሕሪ ሕጽር ዝበለ ዕረፍቲ ዶክቶር ሳልሕ ኢብራሂም ኣምር ማሕበራዊ ፍትሒ ብሓፈሽኡ ድሕሪ ምግላጽ ምስ ኩነታት ኤርትራ ብምዝማድ ኣገዳሲ ኣስተምህሮ ቀረበ። እቲ ብፓወር ፖይንት ተደጊፉ ብፕሮጀክተር ዝቐረበ ኣስተምህሮ ኣዝዩ ዕምቀት ዝነበሮ ነበረ። ዶክተር ሳልሕ ንሰብኣዊ መሰላትና ብዘይቀልዓለም ሓቢርና ደው ክንብል ድሕሪ ምሕባሩ እቲ ኣብ ግዳም ኣብ እትኒክን ኣብ ሃይማኖትን እተሞርክሰ ዝርአ ዘሎ ፍልልይ ክእረም ኣበርቲዕና ክንቃለስ ኣተሓሳሲቡ።

ድሕሪ ሕቶን መልስን ንሰብኣዊ መሰላት ዝሕለቕ ማሕበር ብደረጃ ኣውስትራልያ ንምቛም ነቲ ድሮ ኣብ ምጅማር ዘሎ ምንቅስቓስ ምትብባዕን ናብ ዝለዓለ ደረጅኡ ገጽካ ምድፍኡብን ከምዘድሊ ምርድዳእ ተገብረ።

ኣብ ፎርም እተሳተፉ ዕድመ እተገብረሎም ኣጋይሽ ካብ መልቦርንን ካብ ካልኦት ኣርባዕተ ከተማታት ኣውስትራልያን ነበሩ። እቶም ኣብ ፎርም ክሳተፉ ዘይከኣሉ ከኣ ኣብ ካልኦት ከተማታት ዝርከቡ ኤርትራውያን ናይ ደገፍ መልእኽቶም ሰደዱ። እቲ ሰዓት ሰለስተ ዝጀመረ ፎርም ሰዓት ሾሞንተ ተዛዚሙ ኩሎም ኣኼበኛታት ኣብቲ ብማሕበረሰብ ኤርትራ ኣብ መልቦርን እተዳለወ ናይ ድራር ግብጃ ኣምርሑ። ማሕበርሰብ ኤርትራ ኣብ ኣውስትራልያ ዘዳለዎ ድራር  ብፍላይ ነቶም ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ዝመጹ ኣጋይሽ ንምኽባርን ነቲ ማሕበራዊ ዝምድናታት ንምድልዳልን ዝዓለመ ነበረ። ኣብ ቦታ ድራር ዝነበረ ዕላል ነቲ ኣብ ማሕበረሰብና ዝረአ ዘሎ ኣሉታዊ ዝምድናታት ብምጥቃስ ካብዚ ንምውጽእ ንደቅና ውን ኣብነት ንምዃን ሓቢርናን ኣበርቲዕናን ክንሰርሕ ከም ዝግብኣና ብሰፊሕ ተዘርበ።

ብጀካዚ እቲ ብኣቦ መንበር ተ.ሓ.ኤ ሰ/ባ እተፈረመ ንግደን ቁምነገርን ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከባ ወብሳይት ዘድንቕ ምስክር ወረቐት፡ ንዕና፡ ንፈረጀት፡ ንኣልናህዳ ብኢድ ሃይለ ገብሩ ተዋህበ።

ፎርም 2007 ቀጻሊ ክኸውን ብለበዎ ተዛዘመ።

መልቦርን

27-01-2007

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3511

Posted by on Jan 27 2007 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net