ሃግር ተጎቢጣ
ብመንፈርፈር ዘይብሎም ኣንበጣ
ብተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ ኖርወይ 17/12/06
መንእሰይ ተሳቕዩ ኣብ በዓል ሮማ ሚላኖ
ኣብ ፎቕዶ ጎደናታት ተደርብዩ ከም ለማኖ
ካብ ምዉቕ ቤቱ ተሳጒጉ ዝሰኣነ ዘድሕኖ
ባሕርን ጣሕርን ተሳጊሮም መፍትሒ ዝተሳእኖ
ኣቦኹም ብጓሂ ሓሪሩ ኣደ ንብዓታ ጸንቂቓ
ድሃይኩም ሲኢና ድሃይ እተፍቅሮም ደቃ
ጸሎሎ ተቐቢኣ ተረሚሳ ኣብ ሓሳብ ጠሊቓ
ንብረታ ተወሪሩ ተገፊፉ ሽልማት ኣዋርቓ
ብሰሪ ብዓል ወዲ ኣቸቶ ቆሪራ ዝባና ዓሪቓ
ጃንዳ ህግደፍ ዓመጽ ዝመትከሉ ርሙስ በትኪ
ዓጢቑዩ ጸጋታት ሃገር ኣድሪቑ ንህዝቡ ከድኪ
ኣደ ሰራቒ ኣልባሶኣ ተቖኒና ቅብኣታ ትለኪ
ወላዲት ጀጋኑ ኣላዪ ስኢና ተኾርምያ ትበኪ
ኣብ ካልእ ክንሰግር ዳሓር ክንቅጽሎ
ኣብዚ ትኩስ ወረ ከነድህብ ከይሃሰስ ከሎ
ብመርበብ ኣዝማሪኖ ሎሚቕነ ዝቃላዕ ዘሎ
ኣብ ማህጸን ህግደፍ ኣትዩ ዘናውጾም ዘሎ
ተባዕ ድሕርሕር ዘይብል ቅጭጭ ዘይብሎ
ብዛዕባ ወዲ ኣቸቶን መሳርቕቱን ክንጅምር
ዓርኪ ዝኣረጊት ሓሳዊ ገረመስቀል ገረዝጊሄር
ሰብ ኣርዒዱ መንጢሉ ብቑልማጸ ዝነብር
ደንዳኒ ብቐትሪ ዝራሲ ዘይማዕጹኡ ዝሰብር
ዋናታቱ ሰጒጉ ኣብዘይ ነደቖ ቤት ዝዕንድር
ከይሰርሐ ቪላታት ዘጥሪ ብስርቂ ብምጭብርባር
ደምሰብ ዝመጺ ዘሎ ዘየናሕሲ ዘይምሕር
መጒሃይ ዘመዱ መዳናገሪ ጎይታ ዕግርገር
ኣቸቶስ ቀሊላ ወዲ ኣችዶ ዳኣ ንበሎ.ምበር
ኣለዋና ማዕከናት ዝነግራና ድሃይ ዓዲ
ክምህ ከይበላ ዘበርክታ ፍልጠት መኣዲ
ንህግደፍ ዘርዓድኦ ብፖለቲካ ከምዝነዲ
ዕርቃኑ ዘውጽኦኦ ብዘይ ብረት ብዘይ ዕርዲ
ከም በዓል ኣዝማሪኖ መርበብ ደቀባት
ድምብርጽ ዘይብለን ተባዓት ምሩጻት
ኣለዋና ኣዳል.61 ምስ በዓል ፈረጃት
ደኺምና ከይበላ ዝሰርሓ ብትግሃት
በዓል ዓወተ ምንጪ ገደብ ምስ ንሓርነት
ትውጋሕሞ እናበላ ዝነቐላ ንህዝቢ ድሕነት
መጸት ገረገር ሓድሽ ምዕራፍ ሓድሽ ሂወት
ዕሸል ፍሩይ ፊደላታ ሰፊሕ ምድረ ቤት
ኣዝማሪኖ ምስ ብጾታ ንቕያ ዘበለ መርበባ
ኣላውን ኣሰራ ትኽተል መርበብ ናይ ተጎርባ
ርጡብ ብግዜ ዘይጻወት ፈጣን እንካን ሃባ
ማይሓባር ጨሚርካ ንህዝቢ ኣርውየን ዘዕግባ
ሳግም ጽፉፍ ዓምዲ ተፈታዊት ኩሉ ዘንብባ
ከይፈላለየት እተካፋፍል ዘሎ ምዕባለ ንህዝባ
ምስጋና ንኣብ ኣዝማሪኖ ለለዉ ወሓላሉ
ንህዝቢ መሲጥኩሞ እዝጊ ዓዲልኩም ክትክእልሉ
ብሳላኹም ብዙሕ ሰብ ነቒሑ ክርዳእ ኪኢሉ
ዕድመሃብኩም ጻማኹም ብኣምላኽ ተኸፈሉ
ዓወት ይቀራረብ ኣሎ
ወይለኻ ደጋፍ እካኣሎ
Short URL: https://english.farajat.net/?p=3551