ዋጦት ህግደፍ ይመጽኡ ኣለዉ ገገዛኹም ዕጸዉ
ብተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ ኖርወይ 30/12/06
መንዩ ክድብል ሎሚኸ ባዓል መንየን ክቑነና
ህዝቢ ጠሳቕዩ ርዒዱ እንኮሎ ንዘየምሕረልና
ኣብ መቑሎ ኣይንሳዕስዕ ከም ቁንጪ ደረቐኛ
ብደም ጀጋኑና ከይትሸቅጡ ሎሚ የለን ጅግና
ጀጋኑና ሓሊፎምዮ ቀደም ተሰዊኦም ምእንታና
እቶም ዝተረፉ ተቖፊዶም ድሃዮምኳ የብልና
መንዩ ኪዱ ገንዘብ እረዩ ካብ ዓያሹ ዘለኩም
መሬት ከዊሓያ ከም ቀደም ከይመስለኩም
ሎምስ ተፋሊጥና ኢና የለን ዝተኹበልኩም
ዕድል ተረኺባ ኸላ ዑቕባ ምሕታት ትሕሸኩም
ብሃይማኖት ዓሌት ሕማም ዘእተውሉ ህዝቢ
በሪሁሉዩ ገንዘቡ ንበላዕተኛታት ከይድርቢ
ክትከፍኦም ዝውድሱ ክርህዎም ጸረ ህዝቢ
ገንዘብካ ጫሕ እናበልካ መሰልካ ትሕቲ ከቢ
ሕጂ ተመሊስካ ምልማኑ ዕጭ ምስበለ እምቢ
ካብ ልቢ ዘይነቐለ ምስ ህግደፍ ኮሸምሸም
ተን ትብልወን ስለ ንፈጠን ድሮ ንዒቕናኩም
ክትምህለሉ ድዩ ክትጽለሉ ታዩ መሌእኽትኹም
ደም እናጠዓመናስ ጓይላ ሳዕስዒት ተራኢኩም
ካብዝስ ንጅግና ወያኔ ምሙጓስ መምሓረልኩም
እናራኣኹም ኣጉባዝ ባርያ ጀነራልት ኮይኖም
ደርፊ ተራእይኩም ክንዲ ትጉህዩ ትሓዝንሎም
ዶላ ክትኣርዩ መግዝኢ ዊስኪ ንጎይቶትኩም
ካብ ህዝብኹም ምስ ዲክታቶር ዘሻረኹም
ውድቀትኩም ቀሪባያ ጽባሕ ክትሓፍሩ ኢኹም
ሃገር ሲንጋፖር ኣፍሪቃ ክትከውን እናተጸበና
ትኣምር ዝሰርሑ ሊቃውንቲ ኣለዉ እናበልና
ኣዋጽኡ እናልካስ ሃገር ክትህነጸለይ ብኣጥሙና
ጃህራን ጠራዕራዕን ከላም ፋርቕ ኮይኑ ጸኒሑና
ብዘይ ተኣደነ ሓሶት ከይሰብኩኹም
ጀጅባኹም ልጎሙ በልዎም ይርዳእኩም
ዘለኣለማዊ ዝኸሪ ን ስውኣትና
ኣሜን
Short URL: https://english.farajat.net/?p=3558