መግዝኢ መጻሕፍቲዶ ዋላስ ደሞዝ መፍረስቲ ዩኒቨርስቲ

ስሚዕኩሞዶ ናይ ዋሽንግት ጉድ
ማዓንጣኻ ኣሕሪሩ ልብኻ ዘንድድ
ካብ ተግባሮምስ ዘረባኦም ይገድድ
ቆለ’ዶ ሒዝዎም ጽላለ ዕብድብድ
ኣብ ሃገርና ዝምህር የለን ብጀካ ዝህድድ

     ኣየ ሃይለ ገብሩ ለሚድካ ወዝለቕለቕ
    ሞሊቑ ስሬኻ ተበቲኹ መሽቀቕ
     ኣይፋልካን ተመለስ ስሬኻባ ዕጠቕ
     ኣይተርፍን’ዩ ብኽሕደት ሸቐቕ
ወየን ህግድፍ ሎሚስ ገዲድወን
ሸይጣን ናይ ሳሕል ጋኔን ሰሪርወን
ሃረምረም ስስዔ ዓብሊልወን
     ዩኒቨርስትይ ኣፍሪሰን ይኣስራ ተምሃራይ
     ህዝቢ ከዐሽዋ ጌረን ሕሪሕራይ 
     ምኽልንያት ለሚደን ገንዘብ ምእራይ

ውሑዳት ረኺበን ገለ ስዲ
ንኽእኩቡለን ቑሩብ ሰልዲ
ንኽጥቀማሉ መንእሰይ መሕረዲ
ኣብ ጉድጋድ ኣስፊረን ናይ ስውእ ወላዲ
መንእሰይ በሪሱ ኣጽኒቶማ ዓዲ
    ንገለ ይሰጋ ይጽልጽላ
    ንገለ ይኣስራ ይቕንጽላ 
    ምልማን ለሚደን ዘርጊሔን ነጸላ

መንእሰይ መዝሚዘን ሃገር ከልምዓ
ኣብ ሳዋ ኣኪበን እግሪ ተኽሊ ቆልዓ
ሕጂ ኸኣ ሜላ ቀይረን ህዝቢ ከዘንግዓ
    ብወፍሪ ዋርሳይ ይካኣሎ ጌና ዘይጸገቡ
    ንመጽሓፍቲ ኢሎም ገንዘብ ክእክቡ
    ናይ ሃገር መጻሕፍቲ ተቐቢሩ ተደብዲቡ
    ኩሉ ተማሃራይ ተፈልዩ ካብ ቤተስቡ 
    ሃገሩ ገዲፉ ኣብ ስደት ተኣኪቡ
ፋሕ ብትን ኣቢልዋ እታ እንኮ ዩኒቨርስቲ
ንተማሃራይ ጌሩ ጉድጋድ ካዓቲ
ንተቓወምዎ ዳጉኑ ኣብ ማእሰርቲ
መን’ዩ ክምሃረሉ መጻሕፍቲ?
    ኣንቱም ሙዙቀኛ ልቢ ዘይትገብሩ
    ክሳብ መዓስ’ኹም ንዲክታቶር ክትግብሩ
    መንእሰይ ካብ ሃገሩ ተባሪሩ
እናሰማዕኩም ጅግና ተኣሲሩ
ወላዲ ጬኒቕዎ ተሸጊሩ
ብጸጥታ ህግድፍ ንብረቱ ተሃጊሩ
ልምዓት ተባሂሉ ጊላነት ስም ቀይሩ
እስኪ ሕሰቡ ደቂ መን’ዮም ክማሃሩ
ዓዊንኩም’በር ብዓል ሃይለገብሩ
    ገንዘብ ተኣኪቡ ደሞዝ መካንንቲ
    ብጉልበት መንእሰያት ይሰርሑ ገዛውቲ
    ጀራዲን ጌረሞ ናይ ህዝቢ ግራውቲ
    ጸረ-ፍልጠት መዕነውቲ ዩንቨርስቲ
    ቤትማእሰርቲ በዚሑ ዓንዩ ቤትትምህርቲ
    ወታሃደር ኮይኖም ኩሎም ተማሃርቲ
    ንመን’ዩ ክኸውን ተገዚኡ መጻሕፍቲ
ጋዜጠኛ ህግድፍ ንኣሽቱ ዓዋሉ
ሓቂ ቀቢሮም ዘይከውን ዘዕልሉ
ንጻዕዳ ልመና ልምዓት ኣውጽእሉ
ንውጹእ ሓሶትኩም ሓቂ ትብሉ
ብዘይከውን ሚሕልኩም ህዝቢ ተታልሉ
ዘክሩ ብጾትኩም እቶም ተመንከሉ
እስኪ ሕሰቡ ጋዜጠኛ ሃገር ኣብይ ኣበሉ
ኣዋርሕ ከይከድኩም ክምኦም ትምንከሉ
    ልምዓት እናበልኩም ትልፍልፉ
    ጃህራ ህግድፍ ኣብ ረድዮ ተዕዝፍዝፉ
    ነዊሕ ከይጸናሕኩም ብኻራ ህግድፍ ትምንደፉ
    ንዑ ተመለሱ ኣይፋልኩም ግደፉ
ንህዝቢ ከተታልሉ ዋሽንግቶን ከድኩም
በቲ ህግድፍ ዘይኣምነኩም
በቲ ሓደ ህዝቢ ርሒቑኩም
ኣይ ምስ መንግስቲ ኣይምስህዝቢ ሓዲግዶ ተሪፍኩም
ምጽጋዕ ይሕሸኩም ምስ ህዝቢኹም

 
ወልደሰላሴ ገብረመድህን
ካሊፎንያ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3560

Posted by on Dec 8 2006 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net