ኤርትራዊት ስድራ-ቤት

አንታ ጉድ ተረኺቡ ጉድ ተረኺቡ

ኣብ ከብዲ ዓዲ ጉሒላ ተወሊዱ

ደምናን አንጉዕናን ዘፍሰስናሉ

ንብረትና ዝዛሕዛሕናሉ

ንእስነትና ዝበጀናሉ

ሳላሳ ዓመት ዝተቓለስናሉ

ሃገራዊ ክብርና

ንዓና ንደቅና

ንውሉድ ወለዶና

ዘማዕዶናዮ ሰላም

ዝሐለምናዮ ለምለም

እወ ! ዝሀረፍናዮ ስኒት

ከመይ ! ዝጸማእናዮ ቅሳነት

ማዕረ ዝተመነናዮ ጸጋ

ወሪዱና ሐደጋ

ዘዕበናዮ ዕንዱ

ጨካን ከብዱ

አንታ ኣበይ’ዩ ዓዱ

ዝፈረየት ማሕጸን

ዘባኽን ዘምክን

ጸፋር አራዊት

አባይ ሰናይት

ደቅና ፋሕ

ከም ደቂ ቆቃሕ

አዋድቆኦም ጠፊኡና

ሃለዋቶም ስኢና

አብ ምድረ-ሳሃረ ዶ ቅሂሞም

አብ ማሕረ-ማልታ ዶ ጥሒሎም

ድሃዮም እንተለኩም ድሃዮም

እናተማህለልና

ጽቡቅ ከስመዓና

ወዮ መንግስትና

ዕዳ አውረደልና

እነና ተምቁሕና

ጋዶ ረኪብና

ምሒር ሐሲሙና

አውያትና ይብጻሕኩም

አንቱም ዘይሰማዕኩም

                  11/16/06

                                ወልደስላሰ ተስፋይ ዑመር

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3568

Posted by on Nov 16 2006 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net