Poetry

ኤርትራዊት ስድራ-ቤት

አንታ ጉድ ተረኺቡ ጉድ ተረኺቡ

ኣብ ከብዲ ዓዲ ጉሒላ ተወሊዱ

ደምናን አንጉዕናን ዘፍሰስናሉ

ንብረትና ዝዛሕዛሕናሉ

ንእስነትና ዝበጀናሉ

ሳላሳ ዓመት ዝተቓለስናሉ

ሃገራዊ ክብርና

ንዓና ንደቅና

ንውሉድ ወለዶና

ዘማዕዶናዮ ሰላም

ዝሐለምናዮ ለምለም

እወ ! ዝሀረፍናዮ ስኒት

ከመይ ! ዝጸማእናዮ ቅሳነት

ማዕረ ዝተመነናዮ ጸጋ

ወሪዱና ሐደጋ

ዘዕበናዮ ዕንዱ

ጨካን ከብዱ

አንታ ኣበይ’ዩ ዓዱ

ዝፈረየት ማሕጸን

ዘባኽን ዘምክን

ጸፋር አራዊት

አባይ ሰናይት

ደቅና ፋሕ

ከም ደቂ ቆቃሕ

አዋድቆኦም ጠፊኡና

ሃለዋቶም ስኢና

አብ ምድረ-ሳሃረ ዶ ቅሂሞም

አብ ማሕረ-ማልታ ዶ ጥሒሎም

ድሃዮም እንተለኩም ድሃዮም

እናተማህለልና

ጽቡቅ ከስመዓና

ወዮ መንግስትና

ዕዳ አውረደልና

እነና ተምቁሕና

ጋዶ ረኪብና

ምሒር ሐሲሙና

አውያትና ይብጻሕኩም

አንቱም ዘይሰማዕኩም

                  11/16/06

                                ወልደስላሰ ተስፋይ ዑመር

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top