ክሕተቱ እዮም ገፋዕቲ

ግፍዕታት ዕና ብስዲራ

ቅትለታት ሽዕብ ምራራ

ህልቀት ዓዲ’ ብርሂም ፡ ናራ

ማሕነቅቲ ስልኪ አብ አስመራ

አብ ዓዲ ሰግዶ

እወ አብ ጸሮና ሩባ ሽሮ

ዘይተገፍዔ መን አሎ

   መን አሎ

መስክራ በልወን

ሩባታት ከረን

ድዓሪት ዝቕነናት

ውሐዝቲ ኩለን

ረሳታት ተሰኪመን

ብዙሕ’ የን በኽየን

አብ 69 ድሮ ዖና

ሰብዓታት ክፉእ ርኢና

አየ’ወ! ደም ዛርዪ ሩባታትና

ቅትለትስ ተቐቲልና

መለክዒ ዘይብሉ ግፍዒ ተገፊዕና

ጎዲልና ዘኽቲምና

አበይ’ሎ መሰልና

እንተ ብቕርሕንቶም

እንተ ተአዚዞም

ንጹሃት ቀቲሎም

ረሳታት አብ አፍ ውሒጅ ኮሚሮም

ደማዊ ኢዶም ጸሪጎም

አሰሮም ደምሲሶም

ቀሲኖም አስተሪሖም

አንቱም ገፋዕቲ አብዘለኹም አለኹም

መስኪን ህዝቢ ዘበሳበስኩም

ከቢድ’ዩ አበሳኩም

ሕልናኹም ይግረፍኩም

ክሳብ ጊዜ ዘራኽበልኩም

በቲ ግቡእ በቲ ሕጊ

ምተተኽለ ናይ ፍትሒ ዘንጊ

ሕጂ’ውን እንተኾነ

ደሞም ዘይቀሰነ

ንቡር’ዩ ክዳነ

ውጹዓት ህዝብና

ዓጽሞም ከይወግአና

ጽባሕ ምስ ወግሐልና

ሃገራዊ ኮሚሽን አቁምና

ጸብጻብ ግፍዔኛታት ኮሚርና

ከነቕርቦም አብ ቅድመና

ነቶም ገፋዕትና

እንተ ክንምሕሮም

እንተ ክንሰቕሎም

ኮታ ክንጸባጸቦም

መታን ክቐስን ሕልናና

ክረግእ ሕድሪ ስዉአትና

ተፈጸመ ! ከብል ገዕዞና

ወልደስላሴ ተስፋይ ዕመር

12/21/2006

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3570

Posted by on Dec 21 2006 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net