Poetry

ምልኪ ይህለቕ… ፍትሒ ይንገስ

naqfa rat

እረ ሎምስ…  ብልሃቱ ጠፍኣና

ርብዒ  ዘመን ኮይኑ… ፍትሒ’ና በልና

ምልኪ ይዕንድር’ሎ… ፈላሊዩ ነዓና

 ይክሻሕ ብዕሊ መርዛም ‘ኣንጭዋ ናቕፋ’

***

ሓሰውትን ሰረቅትን ህግደፋዊያን ወዓጋ

ኣጣቓዕቲ ደናቑር… ናይ ሓፋሽ ሓተላ 

ጽረ ሓድነት ዓያሹ…  ዝሰኽሩ ብጓይላ

 ደገፍቲ ጭቆና…  ወንጀላዊ ጭፍራ

***

መንእሰይ ከይስደድ ከይከውን ድራር ዓሳ

ከይሽየጥ ከይልወጥ… ከም ሕሱር እንስሳ

ስቃይ ስደት ክውዳእ… መሬት ክወግሓልካ

ተቓወም ብጽንዓት ምስርጣይ  ደምሲስካ

***

   አስላማይ ክስታናይ… ወዲ ቆላ ከበሳ

   ንምልካዊ  ስርዓት… መክቶ ሓቢርካ

   አብ ዘለኻ ሊኻ… ብኹሉ ዓቅምኻ

ተቃለስ ሓቢርካ…  ኣድሕና ሃገርካ

********

 “ወዲ ሸቃ” ተመናይ… ጥዉይዋይ ዘልቡ

ጭንቀት… ቶንከል… ዉዲት ባህሪያቱ  

መሃንድስ ናይ ክፍኣት እከይ ተግባራቱ

  ይደርዓም… ነድሕና ሃገርና ካብ ዝልመቱ

***

ህግደፍ ተሓቒኑ… ድምህት ወሊዱ

መኻን ምዃኑ… ኣፍሊጡ ኣግሂዱ

ተቃሊዑ’ ዮ ሎሚ  ኩሉ ውዲታቱ 

ጸረ ፍትሕን ሕግን’ ዩ ኩሉ ጠባያቱ

***

ውላድ “ኣንድነት”… ቀያያሪ ቆርበቱ

 ለዋጢ መልክዑ.. ብዙሕ’ዮ ኣስማቱ

ቃል ኪዳን ምስ ድምህት ብዕሊ ኣሲሩ

 ነጻነትና ኣፍሪሱ… ክብርና  ዳህሲሱ

***

ናብራና ከፊኡ ስደት ውርደት ኮይኑ

ህዝብና ተሸቢሩ… ስቃዩ ገንፊሉ

ናብራ መሪርዎ… ንስደት ኣድሂቡ

ገዛዉቱ ራሕሪሑ መዕቆቢታት ሰፊሩ

********

ሓሳብ ይሃሉኻ… ናይ ሕልና ዓይኒ

ህዝብኻ ክውጠር ለይቲ ምስ መዓልቲ

አይትዓምት ዓይንኻ… እጃምካ አወፊ

መክት መሰላትካ ብዕዙዝ ፍናናዊ ሓይሊ

***

ቃልሲ ጀጋኑና… ታሪኽ ጽንዓት ትሪ

ሕድሪ ሰማእታትና… ይተግበር ብዕሊ

ፍትሒ ቅዋም ይንገስ… አብ ልዕልቲ ዓዲ  

 ይትረር ሓድነትና ይጓሓፍ’ዚ ድርባይ ስዲ

***

ንቃለስ ሓቢርና… ንፍትሒ ንለውጢ

መሰላትና ይተሓሎ… ብስርዓት ብሕጊ

ይኣክል ንበሎም… ንወዲ ሸቃ ምስ ማንኪ

ቃልስና ይበርትዕ…  ከትግበር’ቲ ሕልሚ

***

ስደተኛ ክመለስ  ሃገሩ… ክሓርስ ክጻሂ

ክነግድ ነጋዳይ ክቀሰን’ዚ ማሕዩር ህዝቢ  

  ሕጊ ክነግስ… ንቃለስ ምስ ደለይቲ ፍትሒ

ይበርቖቕ ምልኪ… ንቃለስ ሓቢርና ብግሪ

 

ብ/ ሙሓማድ ሳ. ኣሕመድ

04/12/2014                  

 

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top