Archive for: July, 2012

ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ዝቐነየ ኣኼባ ተዛዚሙ : ተሳትፍቲ፡ ስምን መሪሕነትን መሪጾም

ዝተዋህበ ናይ ሓባር ድምጺ ግን፡ ሓደ ኣባል ባይቶ፡ ኣባል ፈጻሚ ናይ’ዚ ሓዲሽ ተመስሪቱ ዘሎ ናይ መንእሰያት ስምረት ክኸውን ዝፈቅድ
እዩ። ከምኡ ብምዃኑ፡ ብዙሓት ተሳተፍቲ፡ ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር፡ ከም’ቲ ዝግባእ ከየድምዕ ይኽእል እዩ ዝብል
ስኽፍታ ኣሕዲርሎም ኣለዉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ተኣኪቦም ዘለዉ መንእሰያት፡ ሓደ ዓቢ ማሕበር ክስምርቱ ወሲኖም

እቶም ኣብ 6 ጉጅለታት ተኸፋፊሎም ክዛተዩ ዝቐነዩ፡ ካብ ሙሉእ ዓለም ዝመጹ 200 ዝዀኑ መንእሰያት፡ ኩሉ ዓቕምታቶም ኣወሃሂዶም ኣብ ሓደ ተጠርኒፎም ክስርሑ ውሳኔ ኣሕሊፎም። እቶም ብውልቅን ብማሕበራትን ተወኪሎም ኣብ ዓሙቕ ዘተ ዝቐነዩ መንእሰያት፡ ናብ ከምዚ ዓይነት መደምደምታ ከብጽሖም ዝኸኣለ ቀንዲ ምኽንያት፡ ህጹጽ ሓደጋ ናይ ህዝቢን ሃገርን፡ እቲ ካብ ህዝቢ ኣብ ልዕሊዚ ኣኼባ ዘሎ ልዑል ትጽቢት፡ ከምኡ’ውን […]

ኣብ ላስቬጋስ ዕውት ኣኼባታት ተኻይዱ

13/07/2012 ብዕለት 07/04/2012 ብዕለት 07/11/2012 ኣብ ላስቬጋስ ብዝሒ መንእሰያት ዝተሳተፍዎ ዕውት ኣኬባታት ተኻይዱ። ብመጀመርታ ብዕለት 07/04/12 ብኣቶ ረዲኢ መሓሪ (ኣለና) ደራሲ ትልሚ ንዘረኢ ኽርዳድ፡ንመንእሰያትን ህዝብን ላስቬጋስ ታሪኽ ኢሰያስን ደቂ መዛሙርቱን፡ ኣመጻጽኣ ኢሰያስን ሰዓብቱን ናብ ስልጣን፡ሰፊሕ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ ካብ ህዝቢ ንዝቀረበሉ ሕቶታት ኣስፊሑ መግለጺ ሂቡ። እቲ ብኣቶ ረዲኢ መሓሪ ዝቀረበ ታሪክ ኢሰያስን ሰውራ ኤርትራን ንብዙሓት […]

ENDF’s Kullu Pays Gratitude to Commissioner Pillay and The UN Human Rights Council for Resolution on Eritrea

By CC/ENDF Information Unit CCENDF@gmail.com In a message addressed on 12 July 2012 to the UN Human Rights Commissioner, Ms Navi Pillay, the Chairman of the Coordinating Committee of the Eritrean National Democratic Forces (CC/ENDF), Mr. Humad Kullu, expressed delight at “historic step” taken at the 20th Session of the UN Human Rights Council” early […]

ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ንመንእሰያት ተመኩሮኦም ኣካፊሎም

ኩነታት ተቃወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ፡ ሎሚ ንመንእሰያት መብርሂ ተዋሂቡ። ኣብ’ቲ ኣኼባ ኩሎም ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ዘለዎም ሰራዊት ኣብ ሓደ ክጽንብሩ፡ ባይቶ ወግዓዊ ኣዋጅ ክገብር ከምዘለዎ ተገሊጹ። “ባይቶ፡ ሓደ መዓስከር ከፊቱ፡ ኩሎም ውድባት ክጽንበሩ ይኣውጅ። ሓደ ወተሃደራዊ እዚ ይግበር። እቶም ዝኸኣሉን ዝደልዩን ይምጽኡ። እቶም ዘይደልዩ ከኣ ድሓር የርክቡና።” ኢሉ ምክትል ኣቦ ወንበር ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣቶ […]

መንእሰይ ኣሉታዊ ተመኩሮ ውድባት ከይደግም ምሕጽንታ ቀሪቡ

መንእሰያት ንዖዖም ብዝጥዕሞም ተወዲቦም፡ ሓድነቶም ኣትሪሮም ኣብ’ቲ ንለውጢ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ እጃሞም ከበርክቱ ጻውዒት ቀሪቡ። ነቲ ጻውዒት ዘቕረበ፡ ኣቦ ወንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ  ሃገራዊ ባይቶ፡ ዶክተር ዮሱፍ ብርሀን፡ ሎሚ ኣብ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ መንእሰያት ተረኺቡ እዩ። “ጸበብትን ንኣሽቱን ፍልልያት ወጊድኩም ዓለም ለኻዊ ናይ መንእሰያት ምጥርናፍ ከተማዕብሉ፡ ንሉኡላውነት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ኣጋሊጹ ዘሎ […]

Eritreans for Democracy, Justice and Equality (E4DJE) Statement in support of the youth conference held in Ethiopia.

Taking note of the following principle stand expressed in: –      Our position paper : The ultimate motive of which is to establish an effective and influential lobbying or pressure group that would enhance the impetus and speed of the change process for promoting justice, democracy, good governance and rule of law; –      Our mission: Promotion of justice, […]

“ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ለውጢ ክመጽእ እንተድኣ ኰይኑ፡ ጸቕጢ ክግበር ኣለዎ” ዮሴፍ ገብረሂወት

ነዚ ዝገለጸ ኣብ ዓዲ ኣሜርካ ዝምቕማጡ ዮሴፍ ገብረሂወት እዩ። ንሱ እቶም መንእሰያት፡ ነቲ ተኣኪበሙሉ ዘለዉ ቦታን ሰዓትን ተጠቂሞም፡ ተቓወምቲ ውድባት፡ ሙሉእ ሓይሎም ኣብ ስደተኛታትን ስርዓት ህግደፍን ከተኩሩ ጸቕጢ ክገብሩ ኣለዎም በሃላይ’ዩ። “ ተቛወምቲ ውድባት፡ ብዛዕባ ደሞክራስን ድሕሪ ኢሰይያስ ምውዳቑ እንታይ ዓይነት መንግስቲ ይመጽእ ዝብል ገዲፎም፡ ከመይ ጌርና ኢና ንስርዓት ኢሰይያስ ንግምጥሎ ወይ ነውድቘ? ኣብ ዝብል ሕቶ ከምኡ’ውን ናብ’ቲ ናይ ህዝቢ ሽግር ከተኩሩ ጸቕጢ ክትገብርሎም ኣለኩም” ኢሉ ዮሴፍ ገብረሂወት።

“ስምረት ኣብ ኩሉ መንእሰይ ክህሉ ኣለዎ”

መምህር ኣማኑኤል ሳህለ    እቶም  200 ዝዀኑ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኣከቡ ኤርትራውያን  መንእሰያት፡ ሎሚ ሰንበት ኣኼብኦም ቀጺሎም ዊዒሎም። ተሳተፍቲ ባዕላቶም ካብ ዘመንጨውዎ ዛዕባታት ሓንቲ ብምውሳድ፡ ንሎሚ ኣብ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ኩሉ መዳያዊ ደቂቕ ገምጋም ኣካይዶም። እቶም ኣብ 6 ጉጅለታት ዝተኸፋፈሉ መንእሰያት፡ ኣብ ማሕበረ ቁጠባዊ፡ ፐለቲካዊን ሰብኣዊን ኩነታት፡ ከምኡ’ውን ኤርትራ ምስ ዓለምን ጐረባብቲ ሃገራትን ዘለዋ ርክባት ብዝምልከት […]

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጐኒ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ኣረጋጊጹ

እቶም ካብ ዝተፈላለየ ክፍለዓለማት ኣብ ደብረዘይቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣከቡ መንእሰያት፡ “ኩሉ ዓቕሚ መንእሰይ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ይቕናዕ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ፡ ሎሚ ቀዳም ድሕሪ ቀትሪ ኣኼብኦም ብወግዒ ጀሚሮም። እቲ ኣኼባ ብኣዋሃሃድቲ ናይ’ቲ መደብ ምርያም ዑመርን መሓሪ ኣብርሃን ዝተኸፍተ ክኽውን ከሎ፡ ኣብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተርን ኣማኻሪ ውደባን ተሳትፎን ዝዀኑ፡ ኣቶ ሬድዋን ሑሰን ናይ […]

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net