Archive for: April, 2016

ማዕለሽ- ካብ ባይቶ ምፍራስ እቶም ኣተሓሕዛ ዝጸየቁ ይተኣለዩ

ሳልሳይ ክፋልን መጨረሽታን ብፍስሓ ናይር ኣብ ናይ ሎሚ ሳልሳይን መጨርስታን ክፋል ነቲ ትሕዝቶ መግለጺ 6 ፖሊቲካዊ ውድባት ኣብ ኣገደስቲ ነጥብታት ጸሚቈ ምስቲ ሳይንሳዊ ኣፍልጦ ብኤክስፐርትስ ዝተዋህበ መዔቀንታት ከነጻጽሮ ክፍትን ኢየ። ትሕዝቶ መግለጺ 6 ውድባት ጽማቅ ብብነጥቢ ኣብዚ ታሕቲ ኣቀሚጠየን ኣሎኹ መታን ኣንባባይ ክርድኣኒ፣ ማዕለሽ ምባል ንህዝባዊ ቃልሲ ሰለዘይጥቅም ገዲፍናዮ ኣሎና፡ ንዝጐዩ ዝሕንኩሉን ዘውድቁን ኣይነፍቅድን፣ ብትዕቢት […]

ማዕለሽ ምባል ንህዝባዊ ቃልሲ ስለዘይጠቅም ገዲፍናዮ ኣለና

ካልኣይ ክፋል ብፍስሓ ናይር ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ ትርጉምን መልእኽትን ናይቲ ብ 6 ውድባት ኣብ ትሕቲ፣ ሕጂ እውን ንሓባራዊ ጽላል በርቲዕና ክንሰርሕ ኢና ዝብል ኣርእስቲ ጠቂሰ፣ነበሃህላ ብጾት መርሕነት 6 ውድባት ሓተታ ትሕዝቶ ነቲ ኣርእስቲ ዝሃብዎ ዝገልጽ ዘይኮነስ ተገራጫውን፣ምትእስሳር ዘይብሉ/non-coherent መግለጺ ንፍታሕ ዝመርሕ ዘይኮነስ ንዝያዳ ጽልእን ምርሕሓቅን ዝመርሕ ጽሑፍ ምዃኑ ገሊጸ ነረ ሎሚ ድማ ካልኣይ መቀጸልታ […]

ማዕለሽ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ

ብፍስሓ ናይር ማዕለሽ ትብል ቃል ብቋንቋ ዓረብኛ ኣብ መዓልታዊ ኣዘራርባ ዝጥቀምዋ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ቋንቋ ዓረብ ግን ዘይትዝውተር ቃል ኢያ፣ትርጉም ብቋንቋ ትግርኛ ፣ “ድሓን፣ጸገም ኣይኮነን” ኢልካ ትሕልፎ ናይ ምጽውዋር ኣመላልሳ ቃል ኢዩ ፣ብሓጺሩ ሕመረት ትርጉሙ፣ናይ ስንፍናን ሸልልትነትን ኣይኮነን፣ እንታይ ድኣ ናይ ኣኽብሮትን ምጽውዋርን፣ ኣብ ባህልና ክንዝውትሮ ዝጸናሕና ዘሎናን ኢዩ። ሰለምንታይ ብጾትና መርሕነት ኣባላት 6 ውድባት ግን […]

ኩልኹም ፈተውቲ ፍትሕን ሰላምን ዝኾንኩም ኤርትራውያንን ተቐማጦ ቶሮንቶን ከባቢኣን፡

ብመኽንያት ብሰንበት ዕለት 3 ምያዝያ ዝተፈጸመ ባርባርዊ ቅዝፈት መንእሰያትን ከምኡውን ሕጻናት ቆሉዕን ኣደታትን ናይ ዝኽሪ መዓልቲ ንቀዳም ዕለት 24.04.2016 ካብ ሰዓት 6:00 pm ኣብ ክሪስቲ ፒት ፓርክ በዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ኣድራሻ  ክንገበር ምኻኑ ንሕብር። Christie Pit Park 750 Bloor street west   Sunday April 24 6:00 PM ኤረትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ቶሮንቶ Eritrean Justice […]

ምያዝያ ዕስራን ክልተን ንሰራዊት ሕድሪ

22 ምያዝያ ንሰራዊት ግሃድኤ-ሕድሪ (ሰራዊት ሕድሪ) መዓልቲ ዝኽሪ ስዉኣቱ ንህዝባዊ ሓርነት ኢያ፡፡ ሰራዊትን ኣባላትን ግሃድኤ-ሕድሪ በቲ ኣብ ሙሉእ ዓለም ተዘርጊሖምሉ ዝርከቡ መስመራት ቃልሶም ኣቢሎም ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ይኸፍሉ ኣለዉ፡ በቲ ናይ ትግባረ ሓይሉ ዝኾነ ሰራዊት ሕድሪ ኣቢሉ ዝኽፈል ዘሎ ዋጋ ሓርነት ግን መዳርግቲ ኣልቦ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ኣብ ሓያል ጥምጥም ቃልሲ ንሓርነት ህዝቢ […]

A SWOT Analysis

By SESADU The Swedish- Eritrean community for democratic change – a partnership( SESADU) consisting of political, civil and independent individuals has conducted a workshop on Saturday , 5th of April 2014 assessing the past activities for democratic change in Eritrea. Evaluations are today commonplace in most organizations. They serve a current and immediate purpose as […]

ቃል ሓዘን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ዞባ አውሮጳ

ብጻይና ገዲም ተገዳላይ ኣልኣዛር ቀለተ ዘርኤ ብዝሓደሮ ሕማም ምኽንያት ብቀዳም ዕለት 16. 04. 2016 ብምዕራፉ ዝተሰምዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ እቲ ኹሉ ዘይሰኣኖ ኣምላኽ ንተጋዳላይ ኣልኣዛር ቀለተ ኣብ መንግሰተ ሰማያዩ ክቅበሎ፡ ንክቡራት ተጋደልቲ ስድራቤቱን ብጾቱን ከኣ ጽንዓት ክህቦም እንዳተተምነና ናይዚ መሪር  ሓዘን ተካፈልቲ ምኻና ንገልጽ።   ደጊምና ኣምላኽ ብምሕረቱ ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ይቀበሎ!! ንዝሓለፉ መንግስተ–ሰማይ ንዝተረፉ […]

ወፍሪ ሓመድ ድበ ንጉጅለ ምልኪ

(ኩሉ ግዱስ ኤርትራዊ ክቃለሶ ዝግባእ ዝዓበየ እዋናዊ ሚስጢራዊ ሰነድ ህግደፍ) ሎሚ ብቤ/ጽ ፕረሲደንት ዝተዳለወ ግዜ ክወሃቦ ዘይግባእ እዋናዊ ሚሲጢራዊ ሰነድ ህግደፍ ይፍንወልኩም፡፡ ኣንጻር’ዚ ብተንኮል ዝተብዓጠ ሰነድ ኩሉ ፈታዊ ሃገሩ ዓቢ ንእሽቶ፡ ቆልዓ ሰበይቲ፡ ስንኩል ጥዑይ ከይፈለየ በቢዓቕሙ ክዋሰአሉን ክቃለሰሉን ይግባእ፡፡ ምእንተ’ዛ ብዓሰርታት ኣሻሓት ዝተኸፈልዋ ኤርትራ፡ ምእንተ ንስለ ናጽነት ቀያሕቲ ደቆም ዘወፈዩ ምዑታት ኣቦታትን ኣዴታትን፡ ምእንተ’ቶም […]

An Urgent Call to All Eritreans Worldwide

Dear Fellow Eritreans in the Diaspora, We are writing to invite you to be a signatory of a call that we will soon issue to all Eritreans in the Diaspora to join a Grassroots Movement whose goal is to elect Global Leaders who will represent Eritreans in the Diaspora. The independence of our country that […]

ህጹጽ ጻውዒት ንኹሎም አብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ

እቲ መስዋእትን ስንክልናን ብሉጻት ደቂ ሃገር ዝሓተተ ናጽነት ንህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝተጸበዮ ሰላምን ራህዋን አየጨበጦን ፡ ብኣንጻሩ እኳደኣ ኣብ እዋን ባዕዳውያን ገዛእቲ ከማን ርእዩዎ ዘይፈልጥ ዘስካሕክሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ተፈድዩ ይርከብ። አብዚ ዝሓለፈ 25 ዓመት ኣብ ትሕቲ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ፤ ሓዘንና ፡ ሞትና ፡ ስቓይና ፡ ማእሰርትና ፡ ስደትና ፡ መከራና ሳዕሪሩ ፤ ኩሉ […]

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net