Archive for: May, 2015

ኣብ ዝኽሪ መበል ዕስራን ኣርባዕተን ዓመት

ኣብ’ዛ እንነብረላ ዘሎና ዓለም ዝርከቡ ኣህዛብ ኩሉ ዓመት መጸ ሃገራዊ መዓልቲ ናጽነቶም እንከብዕሉ ብሰላምን ፤ ቅሳነትን ፤ ማዕርነትን ፤ ሓጎስን  ብዝመልኦ ኣገባብ ክኸውን አንከሎ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግን ብ ኣንጻሩ ሰላምን ቅሳነትን ተሓሪምዎ ፡ ኩሉ ዓመት መጸ ኩነታቱ  ካብ ክፉአ ናብ ዝኸፍኤ አናተሰጋገረ አፎይታ ስኢኑ ከማርር ይርከብ። እቲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ናጽነት ዝጽበዮ ዝነበረ እምበኣር […]

Announcement – May 24 of independence Day‏ in Toronto

Announcement – May 24 of independence Day‏ in Toronto

መግለጺ ፈጻሚ ኣካል ብኣጋጣሚ መበል 24 ዓመት ናጽነት ኤርትራ

ናጽነትን ልዑላውትን ሃገረ ኤርትራ፡ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዝረኸበ ሓቂ ካብ ዝኸውን 24 ዓመታት ኮይኑ ኣሎ። በዚ ድማ፡ እቲ ናይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኣገዳሲ ዕላማ ተረጋግጹ‘ዩ። እዚ ክቡር ዕላማ‘ዚ፡ ውጽኢት ቃልስታት ዝተወሰነ ውድብ፣ ሃይማኖት፣ ኣውራጃ፣ ወይ‘ውን ናይ ቀቢላ ኣይኮነን። እኳ ዳኣ፡ ናይ‘ቲ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሃይማኖትን ኣውራጃን ፖለቲካን እንከይተፈላለየ ዘካየዶ ዝተናወሐን መሪርን ቃልሲ፡ ዝወለዶ‘ዩ። ጉዕዞ ቃልሲ ህዝብና፡ […]

ሓባራዊ ቃል ጽላል ስ ዊደናዊ -ኤርትራዊ ንደሞክራስያዊ ለውጢ በኣጋጣሚ ዝኽሪ መበል 24 ዓመት

2015-05-23 በዓል ናጽነት ኤርትራ   ዝኸበርኩም ሓይሊ ዕማም መኣዲ ዘተ ኤርትራውያን! ዝኸበርኩም ስነጥበባውያን! ዝኸበርኩም ኣባላት ፖሊቲካውን በርጌሳውን ማሕበራት! ዝኸበርኩም አሕዋትን አሓትን! ዝኸበርኩም ካብ ርሑቅን ቀረባን ዝመጻእኩም ዕዱማት ኣጋይሽ!   መጀመርያ ነቶም ኣብ ትሕቲ ጭርሖ፣ እምቢ ንምልኪ ኢሎም ስዊደን መሓውር ናይ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ስለዝኾነት ንመጀመርያ ኡደቶም ናብ ስዊደን ገጾም ክገብሩ ዝወሰኑ ክፍሊ ባህሊ መንእሰያትና ዮሃና […]

Two Open Windows: Why this is the day to read “African Titanics”

source : http://warscapes.com/

What I should tell you is this: Read African Titanics tomorrow, read it yesterday, but don’t read it today. After all, the relationship between the news and literary cycles is usually to the detriment of the latter. One wheel moves at hamster-on-coke speed, while the other spins slowly or quickly, but on an entirely different […]

መግለጺ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብኣጋጣሚ ጽንብል 24 ዓመት ነጻነት ኤርትራ

ሎሚ 24 ግንቦት 2015 ንመበል 24 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ከነብዕል ከሎና፡ ህዝብና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ንምውጻእ ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ሓርነታዊ ቃልስታት፡ ዝኸፈሎ ከቢድ ጅግንነታዊ መስዋእትነት ንዝክረላ፡ ምልካውነትን ህልዊ ብድሆታቱን ንገጥመላ፡ ሓርነት ንምርግጋጽ እንደገና ሕድሪ ሰማእታትን ንዝካየድ ዘሎ ደሞክራስያዊ ቃልሲ መብጽዓና ነሓድሰላ፡ ክብርቲ መዓልቲ እያ።   ህዝብና ንሓይልታት ባዕዳውያን ገዛእቲ ከይተንበርከኸ ምእንቲ ሓርነቱ ነዊሕን መሪርን […]

መግለጺ ብምኽንያት ዝኽሪ መዓልቲ ነጸነት ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ

መግለጺ ብምኽንያት ዝኽሪ መዓልቲ ነጸነት ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ 23 ግንቦት 2015   ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጻነት ሃገሩን ሰብኣዊ ክብረቱን ንምርግጋጽ  ዘካይዶ ናይ 30 ዓመታት  መሪር ቃልሲ  ንመሬቱ ነጻ›ካ  እንተወጸኤ ህላውንኡን ሰብአውነቱን ግን አብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ፡ ከምእውን ንአደዳ ስደትን ጥሜትን ተቓሊዑ አብ ዝተፈላለያ ኩርናዓት ዓለም ፋሕ ጭንግራሕ ኢሉ ተበታቲኑ ይነብር አሎ፡፡ ብሄራት […]

ኣንቲ ነጻነት

እንታይ ጉድኪ       ዘይትዛረቢ እዚ ኩሉ ዓዛብ      ስቕ ኢልኪ ትዕዘቢ   ነጻነት ክብሉኪ      ብዙሕ ሰሚዐ ንዓኪ’ውን ብሂገ     ክቱር ሰሲዐ ኣብ ጽላልኪ ኮይነ   ክመርሕ ሂወተይ ክግስግስ ክጎዪ       ከም ትርግታ ልበይ   ኣነ’ሞ እንታይ ዘይገበርኩ? እቲ ፈጣሪ ዝሃበኒ        ኣፈይ ምስ ተሎጉመ ሓንጎለይ ተሻቂሉ         ምስ ኣጉረምረመ ካብ ናብ ከይስጉም       እግረይ ምስ ተቐየደ ስርሐ ከይበልዕ           ኢደይ ምስ ተኣስረ ፍልጠት ከይቀስም       […]

ንመበል 24 ዓመት መዓልቲ ናጽነት 24 ግንቦት ምኽንያት ብምግባር ብኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ዝተዋህበ ውድባዊ መግለጺ

ባሕቲ መስከረም 1961 ዝተተኮሰ ርችት ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ፡ ንባዕዳውያን ገዛእቲ ደርብታት ኢትዮጵያ ሓምሺሹ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ሉኡላዊ ኣኽሊል ናጽነት ዝደፍኡላ ክብርቲ ዕለት እያ፤24 ግንቦት 1991። እንሆ ከኣ ሎም ንመበል 24 ዓመት ከነኽብራን ክንዝክራን ንርከብ ኣሎና። እዛ ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ ሃገርና በዚ ሉሉይ ክብረታ ክትጽንበል ዝገበርካ፡ ኣንታ ሕሉብካን ንጹፍካን ዘይበቐቕካ፡ ቦኽርን ሕሳስ-ልደን ዘወፈኻ፡ ብዘይሕለል ጽንዓትን መስተንክራዊ […]

እወ… እወ ክወግሕ እዩ

ምንም እንተ ነውሐ… ድቕድቕ ጸላም ለይቲ ወላ እንተጸበበ ካብ ዓይኒ መርፍእ ድቕቕቲ ካብ ዕረ’ውን እንተ መረረ እንተ ነውሐ ለይቲ ክንሰግሮ’ና ኩሉ ጸገማትና ብጽንዓት ብትዕግስቲ   ኣይርሳዕን’ዩ ቃልሲ ጀጋኑና… ታሪኽ ጽንዓት ትሪ ኣይጥለምን’ዩ ሕድሪ ሰማእታትና… ክትግበር’ዩ ብጋህዲ ኣይሕለልን’ዩ ኩሉ ተቓላሳይ… ደላይ ሓርነት ፍትሒ እትሪርና ንቓለስ… ክትወግሕ’ያ መሬት ብጽንዓት እዚ ተኣምራዊ ህዝቢ ትብዓትን ዕላማን… ፈላሚ መስዋእትና ተረቒሙ’ሎ […]

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net