Archive for: March, 2015

ኣብ ዓሚቝ ወጥሪ ዝርከብ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣባይቲ ንምፍራስ ኣብ ምሽብሻብ ይርከብ።

  መንደፈራ፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብሰንበት ዕለት 29/03/2025 ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣባይቶም ክፈርስ ተመዲቡ ንዘሎ ዜጋታት ናይ መጠንቀቕታ ደብዳቤታት ከም ዝዘርገሐ ካብ‘ቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ኣረጋጊጹ። እዚ ንልዕሊ 70 ዝኾኑ ስድራ ቤታት ዝተዘርገሐ ደብድቤታት፡ ገዛውቶም ብቕጽበት ክለቁ ከም ዝግበኦምን እቲ ናይ ምፍራስ መደብ ኣብ ዝኾነ ግዜ ክፍጸም ምዃኑን  ተሪር ምጕቡዕባዕ ዝሓዘለ መልእኽቲ ምንባሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ።   […]

ወጽዓ ደቂ-ኣንስትዮን ኣበጋግስኡን

ካልኣይ  ክፋል ስርዓት መስፍንነት ንጊላነት ስዒሩ፡ ጎይቶት ካብ ህዝቢ ዘሚቶም ዘኻዕበትዎ ሃብትን ንብረትን፡ ዝደለብዎ ሓይሊን ከምዘለዎ ተረስተዮ። ህዝቢ ብንብረቱ ከይሓትት ድማ ረቂቕ ሜላታት ብምህንዳስ ብምስሊ ቁዱስ ጉልባባት ዝተፈላለያ ናይ ዓመጽን ዓፈናን ትካላት ኣቖመ። ናብዚ ዝነጥፉ “መንቓቕሕቲ” መልሚሉ ብምዝርጋሕ ድማ ህዝቢ ናብ ናይ ጨቛኒ መርህኡ ኣርዓሞ። ነባሪ ህዝቢ ብሓፈሽኡ፡ ብስርዓተ ጊላነት ብሓይሊ ተዘሚቱ ከብቅዕ፡ ስርዓት መስፍንነት […]

ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ/ ጨንፈር ሆላንድ  ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ(ኤሃባዲለ) ዕውት ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ፡ ነቶም ተፈጢሮም ዝነበሩ ዕንቅፍታት ኣልዩን፡ ንካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ኣድላይ መደባት ሓንጺጹ ከም ዝወጸ ፍሉጥ`ዩ።ውጽኢት ኣኼባን ነዚ ንካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ዝወጸ መደባት ብሓባር ንምዝታይን ከምኡውን ሽማግለ ጨንፈር ሆላንድ ዳግመ ስርርዕ ንምክያድ ተሓሲቡ ዝካየድ ኣኼባ`ዩ፡፡ ኩሉ ኤርትራዊ/ት ተቐማጣይ ሆላንድ […]

ካልኣይ ስሩዕ ኣኬባ ማእከላይ ሽማግለ ስምረት ምንቅስቃስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር።

ደምዳሚ መግለጺ ካልኣይ ስሩዕ ኣኬባ ማእከላይ ሽማግለ ስምረት ምንቅስቃስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር። ማእከላይ ሽማግለ ስምረት ምንቅስቃስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ናይ ዝሓለፉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ጉዕዞ ቃልሱ ንምግማጋምን ናይ ዝመጽእ ናይ ስራሕ መደባቱ ንምስራዕን ዘካየዶ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባኡ ብዓወት ዛዚሙ። እቲ ካብ መጋቢት 22 ክሳብ መጋቢት 26, 2015 ዝተኻየደ ኣኼባ ካብ ዝተዛረበሎም ዛዕባታት ንህሉው ኩነታት ኤርትራን ንጉዳይ […]

ናይ መዓልቲ ከቢረ 2015 ”ከቢረ ሽልማት 2015” ተሸላሚ ሓውና ፍሰሃ ናይር

ናይ መዓልቲ ከቢረ 2015  ”ከቢረ ሽልማት 2015” ተሸላሚ ሓውና ፍሰሃ ናይር ዘቅረቦ ኣስተምህሮ ”ስደት ሕዝብታት ኤርትራ ትማልን ሎምን እንታይ ይመስል” ዝብል ኣስተምህሮ፡ንህዝብና ዝህቦ ጠቅሚ ብምስትውዓል ፍቃድ ደራሲኡ ረኽብና ንዝርገሖ ኣለና።ሰናይ ምክትታል ንባብ ይምነየልኩም።   ዓብዱ ሱለይማን ሓላፊ ፕሮጀክቲ መዓልቲ ከቢረ 2015 28/03/2015   ብምኽንያት ዝኽሪ  ስዉእ ኣቦና ዓብደልቃድር ከቢረ መሪሕ መሰል ርእሰ- ውሳነ ኤርትራ ኮይኑ […]

መግለጺ ብኣጋጣሚ ዓመታዊ ዝኽሪ መስዋእቲ ኣብነታዊ መራሒ ኣሕመድ መሓመድ ናስር

ሎሚ ዕለት 26/03/2015 ድሮ ሓደ ዓመት መስዋእቲ ዓቢ ሃገራዊ መራሒ ኣሕመደ መሓመድ ናስር ኣቕጺሩ ይርከብ። ስዉእ ኣሕመድ ናስር ሓደ ካብ’ቶም ልሉያት ታሪኻውያን መራሕቲ ኤርትራ ኮይኑ፡ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ዕድሜኡ ብምሉኡ ዘወፈየ ሓርበኛ ኢዩ። መግዛእቲ ኢትዮጵያ ካብ ሃገርና ተሰዒሩ ንክወጽእን፡ ኤርትራ ናጽነታ ንክትጎናጸፍን ኣብ ዝተኻየደ መሪር ቃልሲ ህዝብና ካብ’ቶም ኣብ ቀዳማይ መስርዕ ዝስለፎ ልሉያት መራሕቲ ሓደ […]

Paltalk Eritrean Harnet Discussion Room

Paltalk Eritrean Harnet Discussion Room Guest speaker : Mr. Eyasu Andemariam

ወጽዓ ደቂ-ኣንስትዮን መበገሲኡን

ቀዳማይ ክፋል ደቂ-ሰባት ከም ሓደ ዓይነት ዘርኢ መጠን፡- ከምቶም ኩሎም ሂወት ዘለዎም ፍጡራት ብኽልተ ጾታ ማለት ብኣንስታውን ተባዕታውን ጽምዶ ዝቖሙ ባህርያዊ ፈልሲ ምኻኖም መብርሂ ዘድልዮ ኣይኮነን። የግዳስ ናብ ሓደ መብርሂ ዘድልዮ መንገዲ ዘእትወና ኣምር ብምኻኑ እዩ። እዞም ምስሎም ክልተ ሂወቶም ግን ብሓደ መጥመሪ ዝተወደነ ሕ/ሰብኣዊ ቡቕሎ፡ ከልተ ገጽ ናይ ሓደ ቅርሺ ከንሶም፡ ከምቲ ዝጠመየ ዝብእስ […]

ኣገዳሲ መኣረምታ

ብቀዳምነት ዕዙዝ ገድላዊ ሰላምታና ነቕርብ። ብምቕጻል ብ20 መጋቢት 2015 እንተደጋገመስ ሓቂ ንከይመስል ብዝብል ኣርእስቲ ብፈጻሚ ሽማግለ ዝወጸ መግለጺ ኣብ ሳልሳይ ገጽ ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ተቐሚጡ ዘሎ ፖራግራፍ ብዝተፈጠረ ጌጋ ብዙሕ ይቕሬታ እናሓተትና በዚ ሓድሽ ዝመዓራረ ዘሎ ተመዓራርዩ ክንበብ ብትሕትና ንሓትት።   ምስ ሰናይ ገድላዊ ሰላምታ   ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ 21 መጋቢት 2015   ብዝኾነ፡- […]

እንተ ተደጋገመስ ሓቂ ንከይመስል!!

ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ነዊሕ ግዜ ብዝወሰደ ሓላፍነታዊ ብዝኾነ ሕድሕድ ልዝባትን ዘተታትን ሓሙሽተ ፖሎቲካዊ ውድባት ብመስርሕ ሰፊሕ ሰሚናር ኣቢሉ ኣብ ወርሒጥሪ 2013 ብዝተጋብአ ዕውት ቀዳማይን ሓድነታውን ጉባኤኡ ብሄራውን ሃይማኖታውን ብዙሕነት ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቕ ሕብረ-ብሄራዊ ውድብ ኮይኑ’ዩ ተመስሪቱ። ብቀጥታ ብድሕሪ ምምስራቱ፡ ኣብ ቀረባን ርሑቕን ፖሎቲካዊ ዕላማታት ምስ ዝመሳሰልዎ ውድባት፡ ጉጅለታትን ውልቀ ባእታታትን ናብ ሓድነታዊ ምትሕንፋጽ […]

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net