Archive for: October, 2014

ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ – ኣብ ሽወደን

  ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ጨንፈር ሽወደን ዝሰርዖ፡ ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዶር. ዩሱፍ ብርሃኑን ሓላፊ ወጻኢ ዝምድነታት ሃገራዊ ባይቶ ኣቶ በሺር ኢስሓቕን ዝመረሕዎን ብርክት ዝበለ ተሳተፍቲ ዝነበሩን ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ብዕለት 19 ጥቅምቲ 2014 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ተቓኒዑ።   ኣኼባ ብዝኽሪ’ቲ ኣብ’ዚ ወርሒ’ዚ ብሞት ዝተፈለየና ስዉእ ተጋዳላይ ሸኽ ሓምድ ቱርኪ ተኸፊቱ። ቀጺሉ፡ […]

ናይ ሓዘን መግለጺ ብሞት ክቡር ዶ/ር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ)

24.10.2014   ናይ ሓዘን መግለጺ ብሞት ክቡር ዶ/ር ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ)   ኣብዛ ብዓቐን ግዜ ዝተወሃበትና ሂወት፡ ዓቕምኻን እጃምካን ንስድራቤትካ፡ ንህዝብኻ፡ ንሃገርካ፡ ብሓፈሽኡ ንወዲሰብ ንኸተበርክት ምብቃዕ ዝተዓደሎ ጥራይ እዩ ዝረኽቦ።   ክቡር ወዲ ቫካሮ ዕለት 3.10.2013 መንእሰያትና ኣብ ባሕሪ ላምፐዱዛ ብጃምላ ምስሃለቑ፡ ነቲ ብስንባደን ሓዘንን ዝተተንከፈ ልብን መንፈስን ህዝብና፡ ምስ ኩሉ ናይ ጥዕና ጸገማቱ […]

ምልክታ

ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ብግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐ ህዝባዊ ጕስጓሳት፡ ሕጂ’ውን ንጽባሕ ዕለት 25/10/2014 ልክዕ ሰዓት 20.00 ብኣቍጻጽራ ማእከላይ ኤውሮጳ (በርሊን) ኣባላት መሪሕነት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ (ገዛ ደገና-ተሻሞ) Eritrea Degena and Teshamo Forum for Change1 ተዓዲሞም ምህላዎም ንሕብር። መካትዒ ኣርእስቲ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን፡ ተቓውሞ ደንበ ፡ ኣመላኽታ ግ.ሃ.ድ.ኤ. ድማ  ኣብዚ መዳይ’ዚን ክኸውን […]

ኣገዳሲ ኣኼባ ኣብ ከተማ ሽቱትጋርት

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ አብ ጀርመን ከተማ ሽቱትጋርት ንሰንበት ዕለት 26 ጥቅምቲ 2014 ብኣቦ መንበርን አባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ሃገራዊ ባይቶ ዝምእከል ኣገዳሲ ኣኼባ ኣዳሊዩ ስለ ዘሎ፡ ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ኩሉ ደላይ ለውጢ ዝዀነ ሃገራዊ ንክትሳተፍ ብኽብሪ ይዕድም። ኣኼባና ብዛዕባ ህልዊ ፖለቲካዊ ምዐባሌታት ሃገርናን ኩነታት ተቓውሞ ደምበ ብሓፈሻ፡ ኩነታት  ሃገራዊ ባይቶን ናይ ሓጺርን ነዊሕን መደባቱ […]

ኣገዳሲ ኣኼባ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ አብ ጀርመን ንቀዳም ዕለት 25 ጥቅምቲ 2014 ብኣቦ መንበርን አባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ሃገራዊ ባይቶ ዝምእከል ኣገዳሲ ኣኼባ ኣዳሊዩ ስለ ዘሎ፡ ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ኩሉ ደላይ ለውጢ ዝዀነ ሃገራዊ ንክትሳተፍ ብኽብሪ ይዕድም። ኣኼባና ብዛዕባ ህልዊ ፖለቲካዊ ምዐባሌታት ሃገርናን ኩነታት ተቓውሞ ደምበ ብሓፈሻ፡ ኩነታት  ሃገራዊ ባይቶን ናይ ሓጺርን ነዊሕን መደባቱ ድማ ብፍላይ፡ […]

ኣገዳሲ ኣኼባ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ አብ ሽወደን ንሰንበት ዕለት 19/10/2014 ብኣቦ መንበርን አባላት ፈሻሚ ቤት ጽሕፈትን ሃገራዊ ባይቶ ዝምእከል ኣገዳሲ ኣኼባ ኣዳሊዩ ስለ ዘሎ፡ ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ኩሉ ደላይ ለውጢ ዝዀነ ሃገራዊ ንክትሳተፍ ብኽብሪ ይዕድም። ኣኼባና ብዛዕባ ህልዊ ፖለቲካዊ ምዐባሌታት ሃገርናን ኩነታት ተቓውሞ ደምበ ብሓፈሻ፡ ኩነታት  ሃገራዊ ባይቶን ናይ ሓጺርን ነዊሕን መደባቱ ድማ ብፍላይ ብሰፈሑ ክዝተየሉ […]

ዓቕምታትን ስነ-ምግባርን ምሁር ኤርትራ ንሕጂ ዘይኮነስ ንመዓስ ክኸውን’ዩ?

ካልኣይ ክፋል ኣብ ዝሓለፈ ትሕዝቶ ጽሑፍና ዓቕምታትን ስነ-ምግባርን ምሁር ኤርትራ ንሕጂ ዘይኮነስ ንመዓስ ክኸውን’ዩ? ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ኩሉ-መዳያዊ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ህዝብና ንምርግጋጽ ኣብ ዘካይድ ዘሎ ፍትሓዊ ቃልሲ፡ እቲ ዕዙዝን መሪሕን ተራ ምሁራት ኤርትራ ቦኺሩ ኮይኑ፡ ስለ ዝተራእየና ንዕኡ ብዝምልከት ጽሑፍ ኣቕሪብና ምንባርና ዝዝኸር’ዩ። ነቶም ነዚ ጽሑፍ’ዚ ብዓቢ ሃገራዊ ተገዳስነትን ሓላፍነትን ኣንቢቦም ሃናጺ ዝኾነ […]

መግለጺ ሓዘን

መስዋእቲ ሃገራዊ መራሒ ተጋ/ሸክ ሓምድ ሳልሕ ቱርኪ (ኣቡ ማጅድ)   መራሒ ተጋዳላይ ሸኽ ሓምድ ሳልሕ ቱርኪ (ኣቡ ማጅድ) ንነዊሕ ግዜ ብዝሓደሮ ሕማምን ዘስዓበሉ ድኻምን ብ08 ጥቅምቲ 2014 ኣብ ከተማ ካርቱም ሃገረ-ሱዳን ካብዚ ዓለም ብመስዋእቲ ብምፍላዩ ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን ንገልጽ።   ስውእ ተጋዳላይ ሓምድ ሳልሕ ቱርኪ ካብቶም ብንኡስ ዕድሚኡ ኣብ መፋርቕ 60ታት ኣብ ሃገራዊ ሓርነታዊ ተጋድሎ […]

ዜናታት ደንበ ህግደፍ

ምንጭታት ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም 2014 ኣብ ገዛ ሜጀር ጀነራል ተኽለ ማንጆስ፡ ብዝተገብረ ሃንደበታዊ ፍተሻ፡ ብርክት ዝበለ ዶላርን ዩሮን ከምኡ’ውን ባጤራ ናቕፋን ዝተፈላለየ ዝዓይነቱ መንቀሳቐሲ ወረቃቕቲ ምርካቡ ተገሊጹ። ኣብ ተኾንብያ ድማ 370 ኣባጊዕ ተረኺበን ኣለዋ። ብስንኪ’ዚ ኣብ ተሰነይ፡ ከረን፡ ኣስመራ ዝርከባ ሸላታት ተዓጽየን ከም ዘለዋ ተሓቢሩ። ተኽለ ማንጆስ፡ ምስ ገለ […]

መግለጺ ሓዘን

ተጋ/ሓምድ ሳልሕ ዑመር (ቱርኪ) ኣባል መሪሕነት እስላማዊ ሰልፊ ኤርትራ ንፍትሕን ልምዓትን፡ ብ08 ጥቕምቲ 2014  ካብዚ ዓለም ብመስዋእቲ ተፈልዩ ኣሎ። መላእ መሪሕነትን ኣባላትን ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ብመስዋእቲ ስውእ ተጋ/ሓምድ ሳልሕ ዑመር (ቱርኪ) ዘተስምዖም መሪር ጓሂ እናገለጹ፡ ተሳተፍቲ ናይቲ ከቢድ ሓዘን ምዃኖም ነረጋግጽ። መስዋእቲ ስውእ ተጋ/ሓምድ ሳልሕ ዑመር (ቱርኪ) ንቤተ-ሰቡን መተዓብይቱን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንመላእ ሓይልታት […]

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net