መድረኽ ንሓባራዊ ዘተ V ጸዋዒት ንዝበረኸ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንሓርነት!!(መልእኽቲ ንኹሉ ደላዪ ፍትሒ ብፍላይ ከኣ ንመንእሰይ ወለዶ)
ድሕሪ ምቕልቃል መድረኽ ንሓባራዊ ዘተን ፍሽለቱን ብዙሕ ዘይርጉእን ስምዒታውን ፖለቲካዊ ተዋስኦ ክርኣዩ ጸኒሖም’ዮም፡ ፤መድረኽ ንሓባራዊ ዘተ እቲ ዘይቅርዑይን ፈላላዪ ፖለቲካዊ ጉዕዞኡ ካብ ህዝቢ ሓያል ተቛውሞ ኣጋጢምዎ ከም ጻሕሊ ድሕሪ ምስብባሩ ይኾነለይ’ዶይኸውን ዝብል ኣጉል ፈተነ እታ ጉጅለ ህግደፍ ዝጥቀመላ ናይ ፈላሊኻ ግዛእ ሜልኡ ብተደናገጽቱን ከደምቱን ኣቢሉ ክሰርሓሉ ጸኒሑን ኣሎን፡ ፤ተደናገጽቱን ደገፍቱን ኣብ ሾሻል ሚድያ ወጽዮም ኣብ ልዕሊ ሓቀኛታት ደለይቲ ፍትሒ ብኣውራጃውነት ክኸሱ’ውን ሕፍር ኣይበሉን፡ ፤ኣካይድኦም ጸንኪሩ፡ ህዝብን ሃገርን ክሓቚፉ ብዘይምኽኣሎም ቁሉውላው ስለ ዝኣተዎም ብተደጋጋሚ ኣብ ሬድዮኦም ተዋስኦ ክሰርሑ’ኳ እንተፈተኑ ኣዎንታዊ መልሲ ክረኽቡ ግን ፍጹም ኣይከኣሉን፡ ፤ፍሽለቶም ውጽኢት እቲ ፈላላዪ ጠባዮም’ዩ ክብሃል ይክኣል ምኽንያቱ ለውጢ ዘምጽእ መንእሰይ ሓይሊ ኣብ ክንዲ ዝሓቚፍዎ ክፈላልይዎን ብሕብሪ ዓይኑ ክመርጽዎን ምርጫ ወሲዶም፡










