Archive for: September, 2006

5 ኤርትራዊያን ዝርከብዎም 23 ሰባት ብሓደጋ ፈንጂ ሞይቶም

 ቤት ጽሕፈት ዜና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን 13.09.2006  23 ስባት 5 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 23 ሰባት ትማሊ ኣብ ዘጋጠም ክልተ ሓደጋታት ናይ ፈንጂ ክምዝሞቱ ሎሚ ዕለትት 13.09.2006 ኣብ ዝወጸ ጋዜጣታት ሱዳን ተገልጹ። እቲ ዝጋጠመ ሓደጋ ክልተ ኣብ መንገዲ ፖርትሱዳን ከሰላ ክንቀሳቐሳ እንከለዋ ፈንጂ ረጊጽን ስለ እተባርዓ ኢዩ። ኣገልግሎት ዜና ሱዳን 5 ግዳያት ካብቶም ዘሞቱ ስባት ኤርትራውያን ሞኻኖም […]

ዕዉት ባዓል ባሕቲ መስከረም አብ ሪያድ መበል 45 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ቃልስና አብ ከተማ ሪያድ

ብኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ብድምቀት ውዒሉ   ብዕለት 09/09/2006 አብ ከተማ ሪያድ ሱ-ዓራቢያ ባሕቲ መስከረም ብሱታፌ ኩሎም መሰረታት ኤዲኪን ካልኦት ግዱሳት ኤርትራውያን ዕዱማትን ተደናገጽትን ብድምቀት ውዒሉ። አብ ምኽፋት ናይቲ ባዓል ቃል ኤዲኪ ጨ/ሪያድ ብቃንቃ ዓረቢኛን ትግሪኛ ቀሪቡ ቀጺሉውን ካብ ዝተፈላለዩ ወከልቲ ውድባትን ዕዱማትን ንዝኽሪ ባሕቲ መስከረም መግለጺታት ቀሪቡ። ሓደ መስከረም 1961 ምጅማር ብረታዊ ቃልስና ንህዝቢ ኤርትራ […]

GET ORGANIZED AND TAKE ACTION

September 13, 2006 Eritrean Congress Party (Info. Office) In human history no matter the depth of contents, any kind of theory is worth nothing unless accompanied by action. A strategy based on clear vision should progress towards implementation to justify the forecast of a certain theory as a guide for action is realizable.  In order […]

ሓደ ኮለኔል ዝርከቦም 250 መንእሰያት ኣብ ሓደ ሰሙን ኣብ ሱዳን ኣትዮም

ካብ መርበብ ኢንተርነት ኣዱሊስ ዶት ኮም 13.09.2006  መስርሕ ምጽንቃቕ ናይ ኤርትራ ካብ’ቶም ብሉጻት ዓቕምታታ ዝዀኑ መንእሰያት ይቕጽል ኣሎ። ካብ ዕለት 1-7 መስከረም 2006 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ሓደ ኮለኔል ዝርከቦም 250 መንእሰያት ካብ ሰራዊት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣስመራ ኣምሊጦም ናብ ሱዳን ምእታዎም ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ መንጐ’ዞም ናብ ሱዳን ዝኣተዉ፡ መብዛሕትኦም ካብ መበል 19ን 20ን ዙር ሃገራዊ ኣገልግሎት […]

መልእኽቲ ብኣጋጣሚ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ

GIC 11/09/2006 መደበር ሓበሬት ጋልፍ (GIC) ብኣጋጣሚ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ንኹሎም ኣመንቲ ክርስትና እንቓዕ ናብ ብርሃን ቅዱስ ዮሓንንስ ኣብጸሓኩም እናበለ ርሑስ ኣውደኣመት ክገበረልኩም ትምነ ። ናይ ለብዘበን  በዓል ቅዱስ ዮሃንስ ህዝብና ብሰንኪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ዝከፍኣ ኩነታት ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ ህሞት ይበዓል ምህላዉ ካብቶም ንዓመታት ብተኸታታሊ ክበዓሉ ዝጸንሑ በዓላት ቅዱስ ዮሓንስ ፍሉይ ይገብሮ ። እቶም […]

ኣርባዕተ ምልዮን ህዝቢ ብዓሰርተ ከዳዓት

ኮሮኩር ኢሳያስ ሃገረ ኤርትራ ተዋሪዳ ሃገርና ኤርትራ ካብቶም ቀደም ዘሓለፉ ጨኮንቲ ገዝህቲ ሎሚ ኣብዘበነ ህግደፍ ህዝብና ብሪኢዎን ተመኲርዎን ዘይ ፈልጥ መሪር ብዘስካሕክሕ ኣረሚናኣዊ ግዝ’ኣት ህግደፍ ተዋሪዱ ከይዛረብ ከም ኣብዑር መኼዳ ኣፉ ተለጒሙ ኣብ ኣርዑት ጭኮና ተቖሪኑ ኣደዳ ምርሻንን፥ ማእሰርትን፥ ስደትን ኮይኑ እቲ ዝተረፈ ኣብ ውሽቲ ሃገር ዘሎ ከይ ፈተወ ብዘይ ድልየቱ ሓላው ስልጣኖም ኮይኑ ብረት […]

ቅድመኹም ይድፋኣኒ ዞም ደቀይ

ብተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ ኖርወይ 10/09/06              ኣብ ልዕሊ ወለዲ ዝወርድ ዘሎ ዘይተኣደነ መዓት            ናትና ብዝበልዎ ዘየናሕሲ ኣረሜናዊ ስርዓት            ንፍጫሕ መሰንገሎም ወወጢጡ ዝጠብስ ንእሳት            ሕማም የሕዲሩሎም ንወለዲ ዘይሓዊ ጾር መንደዓት            ኣደ ጅግና ክንዲ ካሕሳ ተፈድያ ዘይነጽፍ ንብዓት                     ሎሚ በኣሰ ብኾንቱ ዝዓርቡ ዘሎዉ መንእሰያትና                   ድርብ ሓዘን ኮይኑ በይና ተኾርሚያ ዘጻንዕ […]

8 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም

ቤት ጽሕፈት ዜና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን 08. 09. 2006   ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጣልያን ስደተኛታት ሒዛ ትጕዓዝ ዝነበረት ጃልባ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 01.09.2006 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ኣብ ገማግም ሲቺልያ ድሕሪ ምብጽሓ ማዕበል ከምዝገልበጣን፤ ኣብኣ ካብ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት 8 ክሞቱ እንከለዉ፥ 19 ድማ፡ ብህይወት ምትራፎም ካብ’ቲ ከባቢ’ቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ቀንዲ ጠንቂ ናይ […]

ዜጋታታ ዘይከብሩላ ሃገር፡ ክብርትን ኵርዕትን ክትከውን ዘይከኣል ኢዩ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን 07 09 2006     ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ደቡብ ምድረ-በዳ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከባ ሃገራት፡ ብዘይካ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዝሓየለ ሰራዊት ዝነበራ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ቃልስን ዘርኣዮ ጽንዓትን ንኣህዛብ ናይ ዓለም ዘስደመመ ተርእዮ ምንባሩ ዝከሓድ ኣይኰነን። መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ብኣመሪካን ሶቭየት ሕብረትን ዝምራሕ ዝነበረ ናይ ምዕራብ ሃጸይነትን ናይ ምብራቕ ዴስነትን ዝድገፍ ስርዓት […]

ዜናዊ ጸብጻብ

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ 06.09.2006   1. ስርዓት ኢሳያስ ሓሙሽተ ኣባላት ሕቡራት መንግስታት ካብ ኤርትራ ክባረሩ ወሲኑ ስርዓት ኢሳያስ ሓሙሽተ ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ካብ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ካብ ኤርትራ ክባረሩ ከምዝወሰነ ድምጺ ሓፋሽ ኣብ ናይ 5 መስከረም 2006 ኣቃሊሓ። እቶም ዝባረሩ ዘለዉ 5 ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ሮጀር ካርተር፡ ካብ ዓዲ […]

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net