Category archives for: Poetry

ክጽውዓኩምዶ ከምቲ ንቡር ኣቱም ሰብ ኣውራጃ ስሞም ክቡር

ታሕሳስ 23-2006 ረ.ክ.(ባሻይ) ብዓል መጋርያ ላም ወድ-ሕጻ ባርካ በሓቂ ድዩ ሎሚ ብህግደፍ ርዒድካ ኣቦ ታሪኽ ሰውራ ቃልሲ ዝጀመርካ ኣበይ ኬድካ ጎፋር ሸቲት መተርኣሱ?       ክብሪ ገድሊ ሀገር ቀሊሉ ፈዂሱ       ጥንሲ ጎቦ ኣዳል ህግደፍ ኰይኑ ሕርሱ! ኣታ ብዓል ሳሕል ወዲ ስርናይ ማና ዘይትድፈር እምባ ዕርድታት ሰውራና ምዝገብ ዓወት ውጹዕ ዓጻጽምቲ ጅግና       ገበላ ውጹዓት ዑቕባ […]

ክሕተቱ እዮም ገፋዕቲ

ግፍዕታት ዕና ብስዲራ ቅትለታት ሽዕብ ምራራ ህልቀት ዓዲ’ ብርሂም ፡ ናራ ማሕነቅቲ ስልኪ አብ አስመራ አብ ዓዲ ሰግዶ እወ አብ ጸሮና ሩባ ሽሮ ዘይተገፍዔ መን አሎ    መን አሎ መስክራ በልወን ሩባታት ከረን ድዓሪት ዝቕነናት ውሐዝቲ ኩለን ረሳታት ተሰኪመን ብዙሕ’ የን በኽየን አብ 69 ድሮ ዖና ሰብዓታት ክፉእ ርኢና አየ’ወ! ደም ዛርዪ ሩባታትና ቅትለትስ ተቐቲልና […]

Remembering the HERO

You were a Hero who walked among us Never looked for glory or praise You don’t seek recognition For your unwavering fighting ways Continued the fight with deep commitment Provided leadership to those followed and hears Steadfast with a quiet strength Marching forward without doubts or fears You were a Great leader to everyone and […]

ሃግር ተጎቢጣ

ብመንፈርፈር ዘይብሎም ኣንበጣ                ብተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ ኖርወይ 17/12/06             መንእሰይ ተሳቕዩ ኣብ በዓል ሮማ ሚላኖ              ኣብ ፎቕዶ ጎደናታት ተደርብዩ ከም ለማኖ              ካብ ምዉቕ ቤቱ ተሳጒጉ ዝሰኣነ ዘድሕኖ              ባሕርን ጣሕርን ተሳጊሮም መፍትሒ ዝተሳእኖ                           ኣቦኹም ብጓሂ ሓሪሩ ኣደ ንብዓታ ጸንቂቓ                           ድሃይኩም ሲኢና ድሃይ እተፍቅሮም ደቃ                           ጸሎሎ ተቐቢኣ ተረሚሳ ኣብ ሓሳብ ጠሊቓ […]

ሕጂ ሓሰር፡ ጽባሕ ክኣ ናይ ወድ-ሰብ በሰር ከም ትኪ ክበንን’ዩ

ታሕሳስ 13-2006 ረ.ክ.(ባሻይ) ንህዝቡ ጠሊሙ ህግደፍ ዝመረጸ ኣንጻር ወዲ ጅግና ኣንጻር ዝረሃጸ ከተርክበሉ ኢያ ናይ ሓፋሽ መላጸ       መገልገል ከድዓት ውሻል ናይ ሸፋቱ       እንድዕልኩም ዝብል ንደቂ መሬቱ       ቂም-ቂም ትብል ኣላ ናይ ውድቀት ስዓቱ ብኸብዱ ዝግዛእ ንህግደፍ አሚኑ ድራር ደቂ ስዉእ ዝበልዕ ደኒኑ ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ትዕጸፍ ልሳኑ       መንእሰይ ዘብረረ ዓበይቲ ዝድፈረ       […]

ናይ ግፋ ራዕዲ

ታሪኽ ግፋ አብ ሂወትና ክንትንትኖ እንተኮይና ክእከብ አለዎ ክጥርነፍ ኩሉ ሰነዳት ብዘይተረፍ ክሕተቱ አለዎም ዓበይቲ ኩሎም ናይ ታሪኽ ተንተንቲ ለባማት ዝወዓሉ ዘነይቲ ግፋ ግናይ ቃና አርዓደትና ምሉእ ዕድመና አብ ቤትና ውሻጠና አብ ስደት ዓዲ ጓና አንቱም እንታይ’ዩ ጉድና እንታይ’ዩ ጉድና ጨካን ስርዓት ህግድፍ ንህዝቢ ብግፋ ዝገርፍ ውላድካ ሃዲም ኢሉ 50 ሽሕ ዘግድፍ ናይ ሎሚ’ዶ ኮይኑ […]

ድሕሪ ምጥርጣር ፈትሽ … ድሕሪ ምብጋስ መርሽ

ታሕሳስ 08-2006 ረ.ክ.(ባሻይ) ኣብ ማእከል ዝርከብ ከም ሰልቲ መርዓት ናይ ቀይሕ ሽጒርቲ ሰረት ጅግና ቀደሙ መካቲ       ኲለል ፈትሽ ላዕለዋይ ታሕተዋይ       ፈላልዮ ቅኑዕ ድዩ ጥውይዋይ       ኣይትእመኖም ብዓል ቀጢን ቀላይ ባይታ-ባይታ ከም ተመን በጠ-በጥ ኣብ እግሪ መለኽቲ ዘይረብሕ ቀበጥበጥ ኣግህድዎ በሎም ንምንታይ ይዕበጥ?       ጒምብሕ-ጒምብሕ ዝብሉ ኣለልዮም       ዳዊት ህግደፍ ከንብቡ ደልዮም’ዮም       ልምዲ […]

መግዝኢ መጻሕፍቲዶ ዋላስ ደሞዝ መፍረስቲ ዩኒቨርስቲ

ስሚዕኩሞዶ ናይ ዋሽንግት ጉድ ማዓንጣኻ ኣሕሪሩ ልብኻ ዘንድድ ካብ ተግባሮምስ ዘረባኦም ይገድድ ቆለ’ዶ ሒዝዎም ጽላለ ዕብድብድ ኣብ ሃገርና ዝምህር የለን ብጀካ ዝህድድ      ኣየ ሃይለ ገብሩ ለሚድካ ወዝለቕለቕ     ሞሊቑ ስሬኻ ተበቲኹ መሽቀቕ      ኣይፋልካን ተመለስ ስሬኻባ ዕጠቕ      ኣይተርፍን’ዩ ብኽሕደት ሸቐቕ ወየን ህግድፍ ሎሚስ ገዲድወን ሸይጣን ናይ ሳሕል ጋኔን ሰሪርወን ሃረምረም ስስዔ ዓብሊልወን      ዩኒቨርስትይ […]

ዖና፤ ዖና ሰነት፣

1970     ክም ዮም ልትፋቃደኒ ዋርሕ ታሕሳስ ቱ መስለኒ ስነት ሳብዒናት ቱ ገጋ ልክላአኒ   ዓድ ምሉእ እብ እሳት ባዳ ሻዓብ ብዙሕ እብ እሳት ናዳ ላታርፋ እብ ራሻሻት ቃራዳዳ   አንስ ዎ ኣጀኒት ክም ዕጨይ ነድው ሰብ ገነድብ ዲብ አብያቶም ሐረው ደም፤ ደም ሰብ ምድር ክም ማይ ዋሐዘው   አጥፋል፡ አጀኒት ዲብ ጣቡ ሞቶው […]

ኤርትራውያን እሱራት

ድምጺ ዝሰአኑ ኣብ ፈቀዶኡ ዝተዳጎኑ ሐርበኛታት ጀጋኑ ክዝክሮም መሪጸ ምዓስ ቀቢጸ ኣብ ልበይ ኣለዉ፣ ዝመጸ እንተ መጸ እቲ መሪር ቃንዛ እቲ ሕሱም ጸበባ አየ ተካል ዓጸባ ስዓታት ምስ ኮነ መዓልታት ኣዋርሕ ምስ ኮነ ዓመታት መኣዝን ጊዜ ጠፊኡኩም ቦታ ኣልቦ ኮይንኩም ኤሕዋተይ/አሐተይ፡ አባይኩም፣ አባይኩም ጊዜ ምስ ነውሔ ምስ ተጎተ ምስ ከረረ ናይ ሕልና መጎተ ብዙሕ ተመራሚርኩም […]

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net