Category archives for: Poetry

ኣብርሃም ኣፍወርቂ „ፍሽኽታ ኣመሉ“

ሞትካ ብምስመዐይ  ብዙሕ ሓዚነ እንታይ እሞ ይገበር ካብ ኮነ ከም ሰብ እኳ ምእማኑ ሲኢነ ብደርፍኻ ብዙሕ ሚሂርካ ብደርፍኻ ብዙሕ ተሰፋ ሂብካ ብደርፍኻ ብዙሕ ተነቢኻ ብግብሪ እንደሞ ከይረኣኻዮ ከድካ ኣብርሃም (ሞክሲ) ብዙሕ  ተሃዊካ ባሕሪ “ዓለም”  ሓደገኛ ምኻኑ ሚሂርካ ሓንቢሱ ንዘይክእል እውን  ኣጠንቂቕካ ስለምንታይ ድኣ ንርእስኻ ዘይተጠንቀቕካ እንታይሞ ይገበር ካብ ኮነ ከም ሰብ እኳ  ምእማኑ ሲኢነ ስዒብካዮ […]

ኣሎ በርከት

1010-2006 ረ.ክ (ባሻይ) ኣሎ በርከት ሓፋሽ ተላዒሉ አዒሙ ዝጸንሐ ኣብ ጽላሉ ጩራታት ረኺቡ በሪሁሉ       ኣሎ በርከት ኣጆኹም ጀጋኑ       ይበራበር ኣሎ ዝጸንሐ ደኒኑ       ሰሚዑኩም ከፊቱወን እዝኑ ኣሎ በርከት ጒዳየን በሪሁ መሲሉወን ጀጋኑ ዝፈርሁ ደቂ ድኾን ቃቅ-ቃቕ ኢለን ደረሁ       ኲዒትካዮ ማይ ዘይብሉ ዒላ       ኣልቦ-ነገር እንታይ ክግልላ       ሻንኬሎ ትምለስ ጋው-ጋው ኢላ ኣሎ […]

ንኹሉ ግዜየ ኣለዎ ጽንዓት ጥራሕ

ክንደይ እንዲና የሕሊፍና ተመኩሮ ክንደይ ጎቦ ተሓኺሩ ተሰጊሩ ስንጭሮ ጣቓዒት ብኻላሽን ብቡባ ነይሩ ኮቦሮ ዝኹሉ ዕርድታትና ጀጋኑና ተቐብሮ ህዝበይ ተመሊስና ሕሉፍ ቃልሲ ንዘክሮ                   ነዚ ሕሉፍ ቃልሲ ኣሻሓት መስዋእቲ ተኸፈሎ                    ንዕላማ ናጽነት ሓርነት ቅኑዕ መንፈስ ዝዓሰሎ                   ብሓባር ኣንጻር ባዕዳዊ ገዛኢ ዕጠቕ ኮይኑ ድሎ                   ውጽ’ኢቱ ሕጂ ነዛምድ ወዮ’መስዋእቲ ተኽፈሎ                   ኣበይ ኣሎ እቲ […]

ባውዛ ሓርነት ኣብርሂ ናብ ጽልግልግ ዝበለ

ይብራህ መገዲ ከረኤ ስጉምቲ ክሰልጥ                   ይብራህ መንዩ ተቓላሳይ ክንፈልጥ                    ይብራህ ኣይ ንበል ባዕሉ ይፈልጥ             ደምበርከ ንጽገና እዩ እዚ ኹሉ ገልበጥበጥ               ባውዛ ሓርነት ኣብርሂ ናብ ጽልግልግ ዝበለ   ባውዛ ሓርነት ኣብርሂ ንኹሉ ንጹር ክኾኖሉ ተረሲዑድ’ዩ ሕቶ ጽገና ተፈቲኑ ነይሩ ተላዒሉ ሕቶ ጽገና ዘልዓሉ ጂ15ን ኩሎም ኣበይ ኣበሉ ሰልፊ ዲሞኩራሲ ብጽገና ንመንዮም ከከታልሉ […]

ሕሰብ እባ ! ቅድም ጸሓይ ምዕራባ

ሕሰብ እባ !   ሕሰብ እባ ! ቅድሚ ጸሓይ ምዕራባ ቅድሚ ምምጻኣ ጸበባ ኣይረኣኻን ዲኻ ናይ ሙቡቱ መጨረሽታ ኣይረኣኻን ዲኻ ናይ መንግስቱ መጨረሽታ ኣይረኣኻን ዲኻ ናይ ሳዳም መጨረሽታ ገሊኦም ናብ ስደት ከምርሑ ገሊኦም ኣብ ዝኣትዉዋ ክጨንቆም ዓለም ብገፊሑ ገሊኦም ከኣ ኣብ ጎዳጉዲ እንዳ ኣናጹ ክሕቡኡ ሰዓቱ ቀሪቡ ኢዩ ክወጹ ጀጋኑ እሱራት ክእወጅ ቀሪቡ ኢዩ ደሞክራሲያዊ ስርዓት […]

ሰብ ግራት ተበሉኹምከ!

መስከረም 25-2006 ረ.ክ.(ባሻይ) ሸኻ እንተወረድና ይንቅወሉ ኣርሓ ጎቦ እንተደየብና እንዳ ብዕሪር ኣሓ ሰብ እንተሞተና ሓቢርና ንዂርመ መርዓ እንተገበርና ንኽደን ስልመ       አጋይሽ ’ተመጹ መርሓባኩም ንብሎም       ሰብር ውደዩ ኢልና ጓጒድ ነቐብሎም       ሩባ እንተወረድና ኩሞለ ልሓመ       ገደና እንተኸድና ስርናየ ስገመ ስብ ግራት’ወ ሰብ ዋላኻ ረጋሕ ኣብ ዓውዲ ዳጒሻ ሕሾና ንምሳሕ ምህርቲ ንሓፍስ ኣብ ቆፎ […]

ኣየ ጋዶ መጻወቲ ኮይኑ ሃይማኖት ተውሃዶ

ብተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ ኖርወይ 25/09/06        ምጾታት ዓለም በጺሑ እንሆ ንሪኦ ብዓይንና      መሬት ኣንቀጥቂጡ ተቖጢዑ ባሕሪ በዚሑ ሓጥያትና      ማዕበል ህቦቡላ ብውሕጅ ኣጥለቕሊቓ ኣሪጋ ዓለምና      ባርዕ እሳተጎመራ ማይ ዘየጥፍኦ መቕዘፍቲ ኣርኪቡና      ደቂ ሰባት ግብርና ኸፊኡ ገንፊሉ ሓጥያትና      ውግእን ወረ ውግእንምበር ጥዑም ወረ ሓሪሙና              እዚ ሽግርዚ ምንምኳ ኣብ ኩሉ ዓለም […]

ኣበቛቝልኩምዶ?

መስከረም 23-2006 ረ.ክ.(ባሻይ) ሓጋይ ነዊሑና ኣዝመራ ደንጒዩ እንታይ ከነባቛቝል ሰብኣይ ተዀርምዩ ዘርኢ’ውን ኣይነበረን ተባተኽ በጺሕና ኣጐዳዲልናዮ ቆልዑ ጠምዮምና       በቲ እንተኸድና’ውን መሳኑ ኣይግድን       ካውሎ ጥራይ ተዘሪኡ ጀርዲን       ለዋህ ለባም ኣደ ተሰሪሓ ዓሻ       ካውሎ ’ብድስቲ ኣብ ኣፍ-ደገ ጋሻ ኣጋይሽ ኣይኮኑን መጺኦም ነጋዶ ካበቲ ጎረቤትና ካብቲ ማዕዶ ዓጸባ ምስ በዝሐ ዓቕሊ ጽበት ትሕጃ ሂብናዮም […]

እወ ሰብ ግራት ኢና

መስከረም 17-2006 ረ.ክ. (ባሻይ) እወ ሰብ ግራት ሰብ ዓውዲ ሰብ ዓቤት ተደፊርና እንደ’ሞ ተደፊእና ደረት ሰብ ኣደራሽ’ወ ሰብ ማይ ቤት ገደና ሰብ ሕጊ ሰብ ባይቶ ድሓን ይሃበና       እምብኣር ኣማስይኡስ ኣለሊኹምና       ልክዕ ሓቅኹም ሰብ ግራት’ያ ሽምና       ከይተፈለጠኩም ገልጠምጠም ክትብሉ       ጸርፊ መሲሉኩም ሓቂ ተሸሽ ኢሉ ሰብ ዓዲ ሰብ ኣውርጃ ሰብ ባሕሪ በረኻ እምባሕ […]

ትፈልጥዎምዶ ?

እስከ በብሓደ ክፍትን ኢየ ከለሊ ( ኮፍ ኢሎም ዘለዉ  ካብ ጸጋም ንየማን ) አበይ አሎ ብርሃነ ገረዝጊሄር ኣቦ ሓቂ ? ተኣሲሩ ! ኣንታ እንታይ ጌሩ ? ሓቂ ተዛሪብካ ተባሂሉ አበይ አሎ ኣብርሂም ዓፋ ኣቦ ኩሉ ? ብጅግንነት ተሰዊኡ ቅድሚ ኩሉ እዋይ ተዓዊትሉ  ከይረኣየ ከይዱ ግብሪ ጎሓላሉ አበይ አሎ ሎሚ  ሮመዳን መሓመድ ኑር ? ይነብር አሎ […]

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net